1. ሃሌሉያ። ነፍሰየንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ

2. ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።

3. ብመሳንፍቲ፣ በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ

4. ትንፋሱ ይወጽእ፣ ናብ መሬት ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ

5. ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ።

6. ንሰማይን ምድርንንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረንሓቂ ኽሳዕ ዘለአለም ዚሕሉ

7. ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎምንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም

8. እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕውራት ይኸፍተን፣ እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፣ እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም

9. እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፣ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮምንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ

10. እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይነግስ፣ ዎ ጽዮንኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ። ሃሌሉያ