1. ብምሉእ ልበይ ኤመስግነካ፣ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር።
2. ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፣ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፣ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ።
3. በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፣ ኣትባዕካኒ፣ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ።
4. ጐይታየ፣ ኵሎም ነገስታት ምድሪ፣ ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም፣ ኬመስግኑኻ እዮም።
5. ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፣ ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም።
6. እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፣ ንትሑት ይርእዮ፣ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ።
7. ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፣ ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።
8. እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየ፣ ጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...