1. እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ

2. ኣንጊህኩም ምትንሳእኩምኣምሲኹም ምድቃስኩምእንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።

3. እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

4. ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም።

5. ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡኣይሐፍሩን እዮም።