1. እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፣ ከም ሓለምቲ ነበርና።
2. ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፣ መልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፣ ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፣ ተባሃሀሉ።
3. እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፡ ንሕናውን ተሐጐስና።
4. ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ ንምሩኻትና ምለሶም።
5. ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ።
6. ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፣ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...