1. እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፣ ከም ሓለምቲ ነበርና።

2. ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕመልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፣ ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎምተባሃሀሉ

3. እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፡ ንሕናውን ተሐጐስና

4. እግዚኣብሄር፣ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ ንምሩኻትና ምለሶም

5. ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ

6. ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍርእንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ