1. ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም።

2. ምስክራቱ ዚሕልዉ፣ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም።

3. እከይ ኣይገብሩንብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱ

4. ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎትእዛዛትካ ኣዘዝካ

5. ኣየስርዓታትካ ኽሕሉስመገደይ እንተ ዚቐንዕ

6. ንዅሉ ትእዛዛትካ እንተ ዝቋመት፣ ሽዑ ኣይምሐፈርኩን

7. ፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፣ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ።

8. ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፣ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ

9. ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።

10. ብምሉእ ልበይ እደልየካ አሎኹ፣ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ።

11. ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ

12. እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፧ ስርዓታትካ ምሀረኒ

13. ንዅሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ

14. ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩ

15. ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ።

16. ብስርዓታትካ ባህ እብል፣ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።

17. ብህይወት ክነብርቃልካውን ክሕሉስንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ።

18. ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስኣዒንተይ ክፈተለይ

19. ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፣ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ

20. ነፍሰይኵሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት

21. ነቶም ትዕቢተኛታት፣ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካ

22. ምስክራትካ ሐልየ እየ እሞ፣ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ

23. መሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን አሎ።

24. ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም።

25. ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።

26. መገደይ ኣዘንቶኹ፣ ንስኻውን መለስካለይስርዓታትካ ምሀረኒ

27. ንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፣ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒ

28. ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ አላ፣ ከም ቃልካ ኣደልድለኒ

29. መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ።

30. መገዲ ሓቂ መረጽኩፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ

31. ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፣ ዎ እግዚኣብሄርኣይተሕፍረኒ

32. ልበይ ምስ ኣግፋሕካብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ።

33. እግዚኣብሄርመገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፣ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ።

34. ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፣ ንሕግኻ ኽሕልዎ፣ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ።

35. ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ

36. ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ

37. ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰንብመገድኻ ህያው ግበረኒ።

38. ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ

39. ፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይ

40. እንሆትእዛዛትካ እናፍቕ አሎኹ፣ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ።

41. እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ

42. ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፣ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ።

43. ንፍርድታትካ እጽበ አሎኹ እሞ፣ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ

44. ኣነውን ንሕግኻ አዘውቲረ፣ ኵሉ ጊዜንዘለአለም ክሕልዎ እየ።

45. ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፣ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ።

46. ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብኣይክሐፍርን ድማ እየ።

47. በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ።

48. ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕልስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።

49. ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር

50. ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፣ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ።

51. ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፣ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩን

52. ጐይታየ፣ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩእጸናናዕ አሎኹ።

53. ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ

54. ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ።

55. እግዚኣብሄርብለይቲ ስምካ ሐሰብኩሕግኻውን ሐሎኹ

56. ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፣ እዚ ዕድለይ ኰነ።

57. ጐይታየምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፣ በልኩ

58. ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ከም ቃልካ ምሐረኒ

59. ንመገደይ ሐሰብኩኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩ

60. ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፣ ኣይደንጔኹን

61. ኣግማድ ረሲኣን ከበበኒሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን

62. ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ።

63. ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዅሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ።

64. ጐይታየምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ አላ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ

65. እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉ

66. ትእዛዛትካ ኣሚነ አሎኹ እሞ፣ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ

67. ከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፣ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ አሎኹ።

68. ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፣ ሰናይ ትገብር አሎኻ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ

69. ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ አለዉ፣ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ አሎኹ።

70. ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፣ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል አሎኹ።

71. ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀርውርደተይ ሰናይ ኰነለይ።

72. ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ

73. ኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንንትእዛዛትካ ኽምህርሲኣለብመኒ

74. ንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፣ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ እዮም።

75. ጐይታየፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፣ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒእፈልጥ አሎኹ።

76. ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓልጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ።

77. ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፣ ብህይወት ክነብርሲምሕረትካ ይውረደኒ

78. ዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፣ ይሕፈሩ፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን አሎኹ።

79. እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ

80. ምእንቲ ኸይሐፍርሲልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን።

81. ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ አላ፣ ንቓልካ እጽበዮ አሎኹ።

82. መአዝ ኢኻ እተጸናንዓኒእናበልኩ፣ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ

83. ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፣ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩን

84. መዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን፧ ንሰጐጕተይከ መአዝ ኢኻ እትፈርዶም

85. እቶም ከም ሕግኻ ዘይነብሩ ትዕቢተኛታት ጕድጓድ ኰዐቱለይ

86. ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፣ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ አለዉ፣ ርድኣኒ

87. ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን

88. ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፣ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ።

89. እግዚኣብሄርቃልካ ንዘለአለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ አሎ።

90. ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፣ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፣ ንሳውን ትነብር አላ።

91. ብዘሎ ዅሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፣ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ አሎ።

92. ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፣ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ።

93. ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፣ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ።

94. ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፣ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒ

95. ረሲኣን፣ ምእንቲ ኼጥፍኡኒይጸናተውኒ አለዉ፣ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ አሎኹ።

96. ኵሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹትእዛዛትካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ።

97. ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፣ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ።

98. ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ

99. ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ።

100. ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፣ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ አሎኒ።

101. ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ

102. ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ።

103. ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፣ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ።

104. ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፣ ስለዚ ዅሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩ

105. ቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ።

106. ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩኣጽናዕክዎ ኸኣ።

107. ኣዝየ ተጨነቕኩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።

108. እግዚኣብሄርፍርድታትካ ምሀረኒ፣ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ።

109. ነፍሰይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኢደይ እያ፣ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ።

110. ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻውዱለይ፣ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩን

111. ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ።

112. ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብርልበይ ኣድነንኩ

113. ክልተ ዝልቦም ጸላእኩሕግኻ ግና ፈቶኹ

114. ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፣ ብቓልካ ተስፋ እገብር አሎኹ።

115. ትእዛዛትካ ኣምላኸይ ክሕሉስ፣ ኣቱም ሕሱማት፣ ካባይ ርሐቑ

116. ብህይወት ክነብርሲ፣ ከም ቃልካ ደግፈኒብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ

117. ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽቛመቶ እየ።

118. ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፣ ነቶም ካብ ስርዓታትካ ዜግልሱ ዅሎም ትረግጾም

119. ንስኻ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጕሕፎም፣ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ

120. ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድፍርድኻውን የሸብረኒ አሎ።

121. ፍርድን ጽድቅን እገብር አሎኹ፣ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒ

122. ንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም።

123. ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ

124. ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ

125. ኣነ ባርያኻ እየ፣ ምስክራትካ ኽፈልጥሲኣእምሮ ሀበኒ።

126. ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዩ።

127. ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ አሎኹ።

128. ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዅሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፣ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ አሎኹ።

129. ምስክራትካ መስተንክር እዩ፣ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎ

130. ምኽፋት ቃልካ የብርህንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።

131. ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፣ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል አሎኹ።

132. ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፣ ተመለሰንን ምሐረንን

133. ንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮእከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ

134. ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፣ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ።

135. ገጽካ ንባርያኻ ኣብርሃሉስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ

136. ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ።

137. እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ።

138. ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካ

139. ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፣ ቅንኣተይ ይበልዓኒ አሎ።

140. ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣ ባርያኻውን የፍቅሮ አሎ።

141. ኣነ፣ ንኡስን ንዑቕን እየ፣ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩን

142. ጽድቅኻ ናይ ዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ሕግኻውን ሓቂ እዩ።

143. መከራን ሽጋርን ረኸበኒትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ።

144. ምስክራትካ ንዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፣ ብህይወት ክነብር እየ።

145. ብምሉእ ልበይ እምህለል አሎኹ ዎ እግዚኣብሄርምለሰለይስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።

146. ናባኻ ተማህለልኩኣድሕነኒምስክራትካውን ክሕሉ እየ።

147. ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹንቓልካ እጽበ እኔኹ።

148. ንቓልካ ኼስተንትንሲኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም

149. ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።

150. ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ አለዉ፣ ካብ ሕግኻ ረሐቑ

151. እግዚኣብሄርቀረባ ኢኻ፣ ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።

152. ንዘለአለም ከም ዝመስረትካዮ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩ

153. ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ

154. ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።

155. ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፣ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ

156. እግዚኣብሄርርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።

157. ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩን

158. ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም

159. እግዚኣብሄርንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፣ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ።

160. ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣ ኵሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለአለም ይነብር።

161. መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒልበይ ግና ቃልካ እዩ ዚፈርህ

162. ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ይብለኒ አሎ።

163. ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖንንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ አሎኹ።

164. ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ አሎኹ።

165. እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም፣ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።

166. እግዚኣብሄርንምድሓንካ ተጸቤኽዎትእዛዛትካ ድማ ገበርኩ

167. ነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶኣዝየውን ኤፍቅሮ አሎኹ።

168. ኵሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፣ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ

169. እግዚኣብሄርኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ።

170. ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣናግፈኒ

171. ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን።

172. ኵሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፣ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ።

173. ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፣ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን።

174. ጐይታየምድሓንካ እናፍቕ አሎኹ፣ ሕግኻውን ደስታይ እዩ።

175. ንነፍሰይ ህያው ግበራ፣ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፣ ፍርድታትካውን ይርድኣኒ

176. ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ ንባርያኻ ድለዮ