1. ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ኣመስግኑ፣ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ።
2. ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ይባረኽ።
3. ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን።
4. እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።
5-6. ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፣ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧
7-8. ምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።
9. ንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ሃሌሉያ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...