1. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ

2-3. እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም፣ ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፣ ካብ ሃገራት፣ ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝአከቦም፣ ከምዚ ይበሉ

4. አብ በረኻ፣ ኣብ ጽምዋ መገዲ ዀብለሉዚነብሩላ ዓዲ ኣይረኸቡን

5. ጠምዮምጸሚኦምነፍሶም ሰልከየት

6. ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም

7. ናብ ዚነብሩላ ዓዲ ኺበጽሑስብቕኑዕ መገዲ መርሖም

8-9. ንጽምእቲ ነፍሲ አጽጊብዋንጥምይቲ ነፍሲ ብሰናይ መሊእዋ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፣ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተአምራቱን የመስግንዎ

10. ብመከራን ሓጺንን ተአሲሮም፣ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ።

11. ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዐቕዎ

12. ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶወደቑዚረድእውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።

13. ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም

14. ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦምመቐውሖም ከኣ ሰባበረ

15-16. መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩመሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፣ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ

17. ዓያሱ ብሰሪ ግህሰቶምን ብሰሪ ኣበሳኦምን ተጨነቑ

18. ነፍሶም ንመብልዕ ዘበለ ፈንፈነቶ። ክሳዕ ደጌታት ሞትውን በጽሑ

19. ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም

20. ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፣ ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም

21. ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ

22. መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡንግብርታቱውን ብእልልታ ይንገሩ

23. ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ፣ ኣብ ዓበይቲ ማያት ዚነግዱ

24. ንሳቶም ግብርታት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ዓሚቚ ድማ ተኣምራቱ ረአዩ

25. አዘዘ እሞ፣ ማዕበላት ዜልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስኤ

26. ናብ ሰማይ ደየቡ፣ ናብ መዓሙቚ ወረዱነፍሶም ብመከራ መኸኸት

27. ከም ሰካር ኣሕወዝወዙን ሰንከልከል በሉን፣ ኵሉ ጥበቦም ከኣ ጠፍኤ

28. ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣውጽኦም

29. ንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ።

30. ስለ ዝሀድኤ ተሐጐሱ፣ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ኣብጽሖም

31. ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ

32. አብ ማሕበር ኣህዛብ ልዕል የብልዎ፣ ኣብ ባይቶ ሽማግሌታት ድማ የመስግንዎ

33-34. ንወሓዝቲ ናብ በረኻንዓይኒ ማያት ናብ ንቚጽ ምድሪንፍርያም ምድሪ፣ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፣ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ

35. ንበረኻ ናብ መዕቈር ማያትንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ለወጦ

36. ንጥሙያት ኣብኣ ኣሕደሮም፣ ንሳቶም ከኣ ዚነብሩላ ዓዲ ሰረቱ

37. ግርሁ ዘርኡወይንታት ተኸሉ፣ ብዝሒ ፍረ ኸኣ ሀቦም

38. ባረኾም እሞ ኣዝዮም በዝሑንኸብቶም ድማ ኣየውሐደሎምን

39. ደሓር ከኣ ብምጥቃዕ፣ ብመከራ፣ ብጓሂ ወሐዱን ተዋረዱን

40. አብ ልዕሊ መሳፍንቲ ሓሳር ከዐወመገዲ ኣብ ዜብሉ በረኻ ኣዀብለሎም

41. ንድኻ ኻብ ሽጋሩ ልዕል ኣበሎ፣ ንዓሌታት ድማ ከም መጓሰ ኣብዝሖም።

42. ቅኑዓት ርእዮምዎ ኺሕጐሱኣበሳ ዘበለውን ኣፉ ኺዐጹ እዩ።

43. ለባም ዘበለ ነዚ ኼስተብህሎ እዩ፣ ንጸጋ እግዚኣብሄር ከኣ ኬስተውዕሎ እዩ።