1. ሃሌሉያእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱውን ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ

2. ንግብርታት ሓይሊ እግዚኣብሄር ኪዛረቦ፣ ንብዘሎ ምስጋናኡስ ኪነግሮ መን ይኽእል፧

3. ፍርዲ ዚሕልዉኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።

4-5. ጐይታየ፣ በቲ ንህዝብኻ ዝሀብካዮ ጸጋ ዘክረኒጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽኸብርሲብምድሓንካ ብጽሓኒ

6. ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፣ በደልናግፍዒ ገበርና።

7. ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ አየስተውዐልዎንንብዝሒ ጸጋኻ ኣይዘከርዎን፣ ኣብ ባሕሪ፣ ኣብቲ ባሕሪ ኤርትራ፣ ዐለዉ

8. ንሱ ግና ስልጣኑ ምእንቲ ኼፍልጥሲ፣ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሐኖም

9. ንባሕሪ ኤርትራ ገንሓ እሞ ነቐጸት፣ ከም ብበረኻ ድማ ብዓሚቚ መርሖም

10. ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሐኖም፣ ካብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ተበጀዎም

11. ንተጻረርቶም ከኣ ማያት ደፈኖም፣ ካብኦም ሓደ እኳ ኣይተረፈን

12. ሽዑ ንቓላቱ አመኑምስጋናኡ ዘመሩ

13. ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎንምኽሩ ኣይተጸበይዎን

14. አብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፣ ኣብቲ ጽምዋ ንእግዚኣብሄር ፈተኑ

15. ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሀቦም፣ ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለአኸሎም

16. ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን ንኣሮን፣ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስንቀንኡሎም

17. ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሐጠቶንወገን ኣቢራም ከኣ ደፈነቶ

18. ሓዊ ኣብ ማእከል ወገኖም ነደደሃልሃልታ ንረሲኣን ወሐጦም።

19. አብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፣ ንዝፈሰሰ ምስሊ ኸኣ ሰገዱሉ

20. ክብረቶም ንምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ

21-22. አብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፣ ኣብ ሃገር ካብ ተኣምራት፣ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽመድሓኒኦምረስዕዎ

23. ሽዑ ኼጥፍኦም ደልዩ ተዛረበ፣ ግናኸ ሙሴ፣ እቲ ሕሩዩከየጥፍኦም ቊጥዓኡ ምእንቲ ኺመልስ፣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ኣብ ማእከል ቈመ

24. ነታ ፍትውቲ ሃገር ነዐቑብቓሉውን ኣይአመኑን

25. አብ ድንኳናቶም ኣጕረምረሙንድምጺ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይሰምዕዎን

26-27. ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፣ ኣብ በረኻ ኼውድቖምንዘርኦም ከኣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኬውድቖም፣ ኣብ ሃገራትውን ፋሕ ኬብሎም መሐለ።

28. ምስ በዓል ጴኦር ሐበሩመስዋእቲ ምውታት ከኣ በልዑ

29. ብግብርታቶም ከኣ ኣዀረይዎመዓትውን ወረዶም

30. ሽዑ ፊንሃስ ተንሲኡ ፍትሒ አውጽኤ፣ እቲ መዓት ድማ ዛረየ።

31. እዚ ኸኣ ንሓዋሩ፣ ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ

32. ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎሙሴውን ብሰሮም ተጐድኤ

33. ንመንፈሱ አንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ፣ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።

34-35. ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፣ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞምነህዛብ ኣየጽነትዎምን

36. ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፣ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም።

37. አወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም

38. ንጹህ ደምደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምንኣፍሰሱንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፣ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት

39. በዚ ከምዚ ብተግባሮም ረኸሱብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ

40. ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ

41. አብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሀቦም፣ እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም

42. ጸላእቶም ከኣ ጠቕዕዎም፣ ኣብ ትሕቲ ኣእዳዎም ድማ ተዋረዱ።

43. ብዙሕ ጊዜ ኣናገፎም፣ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ዐለዉ፣ ብኣበሳኦምውን ተዋረዱ

44. ኣውያቶም ምስ ሰምዔ ኸኣ፣ ጸበባኦም ረአየ

45. ንኺዳኑ ድማ ዘከረሎም፣ ብመጠን ብዝሒ ሳህሉውን ራሕርሓሎም

46. ኣብ ቅድሚ ዅሎም ማረኽቶም ከኣ ሞገስ ሀቦም

47. እግዚኣብሄር ኣምላኽናንቅዱስ ስምካ ኽንውድሶብምስጋናኻውን ክንምካሕሲኣናግፈናን ካብ ማእከል ኣህዛብ ኣክበናን

48. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ይባረኽ። ኵሉ ህዝቢውን ኣሜን ይበልሃሌሉያ