1. ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንስኻ ኣዚኻ ዓብዪ ኢኻ፣ ግርማን ክብርን ለበስካ

2. ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮንሰማያት ከም መጋረጃ ዘርጋሕካዮ

3. ንርሻንካ ኣብ ማያት ሀነጽካዮንደበናስ ሰረገላኻ ገበርካ፣ ኣብ አኽናፍ ንፋስ ኴንካ ኸድካ

4. ንንፋሳት ልኡኻትካንሃልሃልታ ሓዊ አገልገልትኻ ገበርካዮም

5. ንዘለአለም ከይትናወጽሲንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ

6. ከም ብልብሲ ብመዓሙቚ አልበስካያማያት ኣብ ልዕሊ አኽራን ቈሙ

7. ብመግናሕትኻ ሀደሙ፣ ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ።

8. አብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፣ ለሴታትውን ለጠቕ በሉ።

9. ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስዘይሐልፍዎ ደረት ወሰንካሎም

10. አብ ሽንጭሮታት ዓይኒ ማያት ኣንታዕካ፣ ኣብ መንጎ አኽራን ይውሕዛ

11. ንዅሉ እንስሳ መሮር የስትያኦኣእዱግ በረኻ ይረውዩለን

12. ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጥቓኤን ይነብራ፣ ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ።

13. ነኽራን ካብ ርሻናትካ ተስትዮምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ

14-15. ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶዘይቲ ንገጹ ኼብርሆእንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፣ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ

16. ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ

17. ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳኤን ይሰርሓ፣ ጽሕድታት ንራዛ ማሕደሪኡ እየን።

18. ነዋሕቲ ኣኽራን ንሰሰውሕ፣ ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሔታት እዩ።

19. ወርሒ ንመመደብ ግዝያት ገበረጸሓይ ንምዕራባ ትፈልጥ

20. ጸልማት ትገብርለይቲውን ይኸውን፣ ብእኡ ዅሎም እንስሳ ዱር ይዛወሩ

21. ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ

22. ጸሓይ ትበርቕ፣ ይምለሱ፣ ኣብ ጒድጓዶም ድማ ይድቅሱ

23. ሰብ ናብ ተግባሩን ናብ ዕዮኡን ክሳዕ ምሸት ይወጽእ

24. እግዚኣብሄርግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፣ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ።

25. እታ ዓባይን ገፋሕን ባሕሪ እዚኣ እያ፣ ቍጽሪ ዜብሎም ዓበይትን ናእሽቱን እንስሳ ኣብኣ ይዋሳወሱ አለዉ።

26. ኣብኣ መራኽብ ይኸዳ፡ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት

27. እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፣ ንኣኻ ይጽበዩ አለዉ።

28. ንስኻ ትህቦምይእክቡ። ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕብጸጋውን ይጸግቡ አለዉ።

29. ንስኻ ገጽካ ትኽውልይስምብዱትንፋሶም ተውጽእይሞቱ፣ ኣብ መሬቶምውን ይምለሱ

30. ትንፋስካ ትልእኽይፍጠሩንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ

31. ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይንበር፣ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሐጐስ

32. አብ ምድሪ ይጥምት፣ ንሳ ኸኣ ተንቀጥቅጥነኽራን ይትንክዮም እሞ ይተኩ

33. ብህይወተይ ከሎኹ፣ ንእግዚኣብሄር እዝምር፣ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን።

34. ቃላተይ ባህ የብሎ፣ ብእግዚኣብሄር እሕጐስ እየ።

35. ሓጥኣን ካብ ምድሪ ይጥፍኡረሲኣንውን ደጊም ኣይሀልዉ፣ ነፍሰየንእግዚኣብሄር ባርኽዮ ሃሌሉያ።