1. ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።

2. ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ

3. ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ

4. ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ

5. ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ

6. እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ።

7. መገድታቱ ንሙሴግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ

8. እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ።

9. ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕንንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ።

10. ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።

11. ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን

12. ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሓቖ

13. ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።

14. ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።

15. ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ

16. ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ።

17. ምሕረት እግዚኣብሄር ግና አብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ትነብር።

18. ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።

19. እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመመንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ።

20. አቱም መላእኽቱንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፣ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትንንእግዚኣብሄር ባርኽዎ

21. ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱንእግዚኣብሄር ባርኽዎ

22. ኵሉ ግብርታቱ ኣብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱንእግዚኣብሄር ባርኹነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ