1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሃገር እስራኤል ከምዚ ይብላ አሎ፣ መወዳእታ፣ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገርሲ መወዳእታ ይመጽእ አሎ።

3. ሕጂ መወዳእታ ኣባኺ መጸ፣ ቍጥዓይ ድማ ክሰደልኪ፣ ከም መገድኺ መጠን ክፈርደኪ፣ ኵሉ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ።

4. ዓይነይ ኣይኪንሕፈክን ኣነውን ኣይክርሕርሃልክን፣ ኣነስ መገድኺ ደኣ ኣብ ልዕሌኺ ኼምጻልኪ እየ፣ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ መዓት፣ ነይኑ ዝዀነ እኳ ደኣ መኦኣት እንሆ፣ ይመጽእ አሎ።

6. መወዳእታ መጸ፣ እቲ መወዳእታ መጸ፣ ተላዕለኪ፣ እንሆ ይመጽእ አሎ።

7. ኣታ ኣብ ሃገር እትነብር ዘሎኻ፡ ተራካ መጸካ። እቲ ጊዜ ብጽሔእልልታ ኣብ ኣኽራን ዘይስምዓላ መዓልቲ ዕግርግር ቀረበት።

8. ሕጂ ብቕልጡፍ ነድረይ ክኽዕወልኪ፣ ሃና ቝጥዓይ ከኣ ክወጸልኪ፣ ከም መጠን መገድኺ ድማ ክፈርደኪ፣ ንዅሉ ጽያፍኪ ኣብ ልዕሌኺ ኽወርዶ እየ።

9. ዓይነት ኣይኪንሕፍን እዩ፣ ኣነውን ኣይክርሕርሕን፣ ኣነስ ከም መጠን መገድኺ ኸምጽኣልኪ እየ፣ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዚወቅዕ ዞሎስ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

10. እንሃ እታ መዓልቲ እንሃ መጸት። ተራኺ በጽሔ። እታ ሸቦጥ ዐምበበትትዕቢት ከኣ ጠጥዔ

11. ዓመጻስ ሸቦጥ ረሲእነት ኰይና ተላዕለት። ካባታቶም ሓደ እኳ የልቦን፡ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኦምን ዚተርፍ ሓደ እኳ የልቦን።

12. ዘመን በጺሑመዓልቲ ቐሪቡ አሎ። ጕሁር ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፣ ዚሻየጥ ኣይተሐጐስዚሸይጥውን ኣህጕሄ

13. እቲ ዚሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፣ ናብቲ ዝሸጦ ኣይኪምለስን እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝዀነ ራእይ ንድሕሪት ኣይኪምለስን እዩ እሞ፣ ብዓመጽ ዚነብርሲ ንህይወቱ ዜጽንዓ ሓደ እኳ የልቦን።

14. መለኸት ተነፍሔ፣ ኵሉ ኸኣ ተዳለወቍጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ዝህቦም አሎ እሞ፣ ኣብ ውግእ ዚኸይድ ሓደ እኳ የልቦን።

15. ኣብ ወጻኢ ሰይፊ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ፌራን ጥሜትን አሎ። እቲ ኣብ መሮር ዘሎ ብሰይፊ ክመውት፡ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ኪውሕጦ እዩ።

16. እቶም ካባታቶም ዘምለጡ ግና ከምተን ርግብታት ሽንጭሮነፍሲ ወከፍ ብኣበሳኦም እናቘዘሙ፣ ኣብ ኣኽራን ኪዀኑ እዮም።

17. ኵለን ኣእዳው ኪሕለላ፣ ኵለን ኣብራኽ ድማ ከም ማይ ከፈሳ እየን።

18. ክሊ ኺዕጠቑራዕዲ ኪኽደኑ፡ ኵሉ ግጽ ብሕንኪ ኺጕልበብ፡ ኵሉ ርእስታቶም ድማ ኪበርሕ እዩ።

19. ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዮወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን ናይ ሓጢኣቶም እምኒ መዓንቀፊ ስለ ዝዀነ፣ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኬድሕኖም ኣይተኻእሎንንጥሜቶም ኣይኬጽግቦን፣ ንኸብዶምውን ኣይኪመልኣሎምን እዩ።

20. መልክዕ ስልማቶም ንትዕቢት ኰኖም፣ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዜፈንፍኑ ጣኦታቶምን ገበሩሉ። ስለዚ ኣነ ንኣታቶም ንርኽሰት ገበርክዎ

21. ዘመተ ኪኽውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖትምርኮ ኪኸውን ከኣ ንረሲኣን ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኬርክስዎ እዮም።

22. ካባታቶም ገጸይ ክመልስ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ንመዝገበይ ኬርክስዎገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኬርክስዎ እዮም።

23. እዛ ሃገር እዚኣ ቅትለተ ደመ ነፍሲ መሊኣ አላ፣ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓምጽ መሊኣዋ እዩ እሞ፣ ሞቝሕ ኣዳሉ

24. ነቶም ኣዝዮም ሕሱማት ካብ ህዝብታት ከምጽእ እየ እሞ፣ እዚኣቶም ኣባይቶም ኪወርሱ እዮም። ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፣ መቓድሶም ከኣ ኪረኽሳ እየን።

25. ጥፍኣት ይመጽእ አሎ፣ ንሳቶም ከስ ሰላም ኪደልዩ እዮም፣ ኣይርከብን ከኣ።

26. መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ኪመጽእወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ኪኸውን እዩ። ካብ ነብዪ ራእይ ኪደልዩ፣ ግናኸ ሕጊ ኻብ ካህንምኽሪውን ካብ ኣረገውቲ ኺጠፍእ እዩ።

27. እቲ ንጉስ ኪትክዝ፣ እቲ መስፍን ድማ ሓዘን ኪኸደንኣእዳዉ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ራዕራዕ ኪብል እዩ። ከም መጠን መገዶም ክፈድዮም፣ ከከም ዚግብኦም ከኣ ክፈርዶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።