1. ኣብ መበል ታስዐይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽሐፍንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም ቀረበ

3. ነታ ኸዳዕ ቤት ምስላ ንገራ በሎምውንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ድስቲ ሰኽትትሰኽትቶ ማይ ድማ ኣዕርቐሉ

4. ምታሩ፣ ኵሉ ጽቡቕ ምታር ዘበለ፣ እግርን ክሳድን፣ ናብኡ ኣክቦ፣ በቲ ሕሩይ ዓጽሚውን ምልኣዮ

5. ካብቲ መጓሰ ኸኣ ሕሩድ ውሰድ፣ ነቲ ዓጽሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕጽምቲ ምእንቲ ኺበስልኣጸቢቕካ ኣፍልሓዮ

6. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዐገት ድስቲ፣ በዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ። ነቲ ምራት ብምታሩ ኣውጽኣዮዕጭ ኣይወደቖን

7. ደማ ኣብ ማእከላ እዩ እሞ፣ ኣብቲ ልሙጽ ከውሒ ሐደገቶብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይከዐወቶን

8. ንምልዕዓል ነድርን ንምፍዳይ ሕነ እቲ ደማ ምእንቲ ኸይክወል፣ ኣብ ልሙጽ ከውሒ ኣኽዖኽዎ።

9. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣነውን ብርቱዕ መጕሃር ክኣጕድ እየ እሞ፣ ነታ በዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ

10. ኣዕጻው ኰምርሓዊ እጐድ፣ ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፣ ነቲ መረቕ ኣዚካ ኣፍልሓዮ፣ ነቲ ኣዕጽምቲ ኸኣ ኣሕርሮ

11. ምእንቲ ኺውዕን እቲ ኣስራዚኡ ድማ ምእንቲ ኺረስንን ኣብ ውሽጢዘሎ ዛዕጉ ኺመክኽን እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪጠፍእንሲጥራዩ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ።

12. ጻዕራ ኸንቱ እዩ፣ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፣ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ።

13. ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት አሎ። ኣጽርየክስ ኣይጸሬኽን ኢኺ እሞ፣ ሃና ነድረይ ክሳዕ ዝወጸልኪ ኻብ ርስሓትኪ ኣይክትጸርይን ኢኺ።

14. ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብክዎኪኸውን እዩ፣ ክገብሮ ድማ እየ። ንድሕሪት ኣይክምለስን፡ ኣይክምሕርን ኣይክጥዐስን ድማ እየ። ከም መገድኽን ከም ግብርኽን ኪፈርዱኺ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

15. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

16. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንሆ፣ ንተድላ ኣዒንትኻ ብወቕዒ ኽምንጥለልካ እየ። ንስኻ ድማ ኣይትሕዘንኣይትብከኣይትንባዕውን

17. ስቕ ኢልካ እህህ በል፣ ንምዉታት ከም ዚልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፣ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፣ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱጭሕምኻ ኣይትኽደን እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይትብላዕ

18. ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፣ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት፣ ንጽብሒቱ ድማ ከምቲ እተአዘዝክዎ ገበርኩ

19. እቲ ህዝቢውን፣ እቲ እትገብሮ ዘሎኻስ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ፡ በለኒ

20. ኣነ ድማ፣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣ ኢለ መለስኩሎም

21. ንቤት እስራኤልእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ አሎ፡ በሎም፡ እንሆ፡ እታ ሓበን ሃይልኹም፡ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፡ እታ ናፍቖት ነፍስኹም፡ ቤት መቕደሰይ ከርክሳ እየ። እቶም ደድሕሬኹም ዝሐደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።

22. ንስኻትኩም ከኣ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑንእንጌራ ሓዘንቲውን ኣይክትበልዑን

23. መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹምኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኪኸውን እዩ። ዋይዋይ ኣይክትብሉን ኣይክትበኽዩን ከኣ ኢኹም፣ ግናኸ ብሰሪ ኣበሳኹም ክትማስኑነንሓድሕድኩም ከኣ እህህ ክትብሉ ኢኹም።

24. ህዝቅኤል ከኣ ኣርኣያ ኪዀነልኩም እዩ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ኽትገብሩ ኢኹም። እዚ ምስ መጸ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

25. ኣታ ወዲ ሰብ፣ በታ ንሓይሎምንንሓጐስ ክብረቶምንተድላ ኣዒንቶም፣ ነቲ ናፍቖት ልቦምኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣነ ካብኦም ዝወስደላ መዓልቲ

26. በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ኣብ እዝንኻ ኼስምዓኣካ ኺመጸካ እዩ።

27. በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ምስ መጸ ኣፍካ ኪኽፈት እዩ፣ ክትዛረብ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይክትኸውንን ኢኻ። ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኰኖም ኢኻ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።