1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንመስፍን ጢሮስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ ልብኻ ተዐብዩስ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድማ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ አሎኹ፡ ትብል አሎኻ እሞ፡ ምንም እኳ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፡ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰንካን።
3. እንሆ፣ ካብ ዳንኤል ያኢ ንስኻ ትጠብብ፣ ኵሉ ምስጢርውን ኣይህብኣካን እዩ።
4. ብጥበብካን በእምሮኻን ሃብቲ ኣጥሬኻ፣ ኣብ መዛግብካ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ።
5. በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብነግድኻን ሃብትካ ኣብዛሕካ። ንምኽንያት ሃብትኻ ኸኣ ልብኻ ተዐበየ።
6. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፣
7. እንሆ፡ ስለዚ ኣነ ካብ ህዝብታት ዚጭክኑ ጓኖት ከተንስኣልካ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ጽባቐ ጥበብካ ሰይፎም ኪመልሑ፡ ግርማኻ ድማ ኬርክሱ እዮም።
8. ናብ ጕድጓድ ኪደፉኻ እዮም፣ ንስኻውን ከምቲ እቶም ኣብ ልቡ ባሕሪ ተወጊኦም ዚሞቱላ ሞት ክትመውት ኢኻ።
9. ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደዀን፣ ኣነ ኣምላኽ እየ፣ ክትብል ኢኻ፡ ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ወጋኢኻ ሰብ ኢኻ እምበር፣ ኣምላኽ ኣይኰንካን።
10. ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፡ ንስኻ ከምቲ ኣማውታ ዘይግዙራት፡ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
12. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮ፣ ንስኻ ጥበብ ዝመልኣካ፣ ፍጹም ዝመልክዕካ ብሉጽ ማሕተም ነበርካ።
13. ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ ሰርድዮስ፡ ቶጳዝዮን፡ ከልቄዶን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስ፡ ያስጲስ፡ ሰፊሮስ፡ ክሪሶጵራስ፡ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።
14. ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ።
15. ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ።
16. ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ።
17. ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ።
18. ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ነግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ስለዚ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውጻእኩ፣ ንሳውን በልዓትካ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዘርእዩኻ ድማ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ።
19. እቶም ዚፈልጡኻ ዘበሉ ዅሎም ህዝብታት ብኣኻ ኺስክሑ እዮም። መሰክሒ ዀንካ፣ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ኣይክትህሉን ኢኻ።
20. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጻኒ፣
21. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ።
22. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገራ፣ ኣቲ ሲዶን፣ እኔኩ ኣብ ርእስኺ አሎኹ። ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክኸብር እየ። ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈጸምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
23. ፌራን ደም ኣብ ኣደባባያን ክሰደላ እየ፣ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸኣ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእከላ ጻሕ ኪብሉ እዮም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
24. ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ኣብ ኵሎም እቶም ዜቃልልዎም ጐደቦታቶም፣ ዚወግእ እሾዅ ወይስ ዜሕምም ተዀርባ ኣይኪህሉን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምኳነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
25. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእከሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ኣከብክዎም፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝብታት ኣባታቶም ክቕደስ፡ ንሳቶም ድማ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሀብክዋ ሃገር ኪነብሪ እዮም።
26. ኣብኣ ብህድኣት ኪነብሩ፡ ኣባይቲ ኸኣ ኪሰርሑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ እዮም። ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኦም ኰይኖም ዜቃልልዎም ዘለዉ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ሽዑ ብህድኣት ኪነብሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...