1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊቶይ ንገሮምምስላውን መስለሎም

3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ተዛረብ፣ ገዚፍ ዘኽናፉነዊሕ ዝመንገብገቡዓንጥዓንጦራይ ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ኣብ ሎባኖስ መጸ እሞ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ጽሕዲ ወሰደ

4. ነቲ ርእሲ ጨንፈራ ሰልዖ፣ ናብ ሃገር ነግዲ ወሰዶ፣ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸኣ ኣንበሮ

5. ካብታ ሃገር ድማ ጫለዳ ወሰደ፣ ኣብ ፍርያም ግራት ከኣ ተኸላ፣ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ከም ዕቦል ገይሩ ስፍራ ኣትሐዛ

6. ንሳ ዐበየትጨንፍራ ናብኡ ዘበለ፣ ሱራ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ዝዀነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፣ ሓጺር ዝጕንዳ ኦም ወይኒ ዀነት። በዚ ኸምዚ ጨንፈር እትጭንፍርንጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ዀነት።

7. ገዚፍ ዝኽንፉብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ነበረ። እንሃ ኸኣ፣ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፣ ንሱ ማይ ኬስትያ ኢላ፣ ካብቲ እተተኽለቶ ቦታ ናብኡ ኣቢላ ሱራ ዘርግሔትሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣውፈረት።

8. ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእፍረ ኸተፍሪክብርቲ ኦም ወይኒውን ክትከውንሲ፣ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።

9. በል ድማ፣ ክትልምዕዶ እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ምእንቲ ኽትነቅጽንሲ ሱራዶ ኣይኪምንቈስንፍሪኣኸ ኣይኪቝረጽን እዩ፡ እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዅሉ ቘጽልስ ኣይኪነቅጽን ድዩ፡ ሱራ ንምምንቋስ ሓያል ቅልጽምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ።

10. እንሆ፣ ምትካልሲ ተተኺላ አላ፣ ክትልምዕዶ እሞ እያ፡ ንፋስ ምብራእ ምስ ተንከያስ፣ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይክትነቅጽን እያ፡ ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትመቅጽ እያ።

11. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

12. እምብኣርሲ ነቲ ተጻራሪ ቤት፣ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ በሎምንገሮም ከኣ፣ እንሆ፣ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸንንጉስን መሳፍንትን ሒዙ ናብኡ ናብ ባቢሎን መረኾም።

13-14. እታ መንግስቲ ኽትሐምቕ እሞ ከይትትንስእብምሕላው ኪዳን ኸኣ ምእንቲ ኽትቀውምሲ፣ ካብ ዘርኢ ቤት መንግስቲ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣተወ ማሕላ ድማ ኣምሐሎ። ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርን ምስኡ ወሰዶም

15. ግናኸ ንሱ ኻብኡ ዐለወኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ኪህብዎ ልኡኻት ናብ ግብጺ ሰደደኪሰልጦዶ እሞ እዩ፡ ከምዚ ዝበለ ዚገብርሲ ኼምልጥዶ እዩ፡ ጠላም ኪዳንከ የምልጥዶ እዩ፡

16. ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዚነብረላ ዘሎ ቦታ፣ ናብቲ ማሕላኡ ዘጠለመሉኪዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፣ ምስኡ ኸይኑ፣ ኣብ ማእከል ባቢሎን ኣብኣ ኺመውት እዩ።

17. ብዙሕ ሰብ ኪቐትሉ ኢሎም ዕርዲ ኺዐርዱን ግምቢ ኺሰርሑን ከለዉ፣ ፈርኦን ከኣ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኰይኑ ኣብ ውግእ ኣይኪረድኦን እዩ።

18. ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑኢድ ጠቒዑስ እዚ ዅሉ ገይሩ እዩ እሞ፣ ኣይኬምልጥን እዩ።

19. ስለዚ፤ ኣነ ህያው እየ፣ እቲ ዝነዐቖ ማሕላውን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን ብርግጽ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

20. መርበበይ ክዝርግሓሉ እየ፣ ብመፈንጠራይ ከኣ ኪተሐዝ እዩ፣ ናብ ባቢሎን ድማ ክወስዶ፣ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዐመጸሉ ዓመጻ ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።

21. ኵሎም ህዱማቱ ምስ ኵሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኺወድቁ፣ እዮም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ኪዝረዉ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።

22. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣነ ኸኣ ካብር ርእሲ እቲ ነዊሕ ጽሕዲ ወሲደ ኸንብሮ እየ። ካብ ላዕላይ ጠጥዒ ሓንቲ ለውለው እትብል ሰሊዔ፣ ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ ከረን ክተኽላ እየ።

23. ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ። ክትጭንፍርን ክትፈርንግሩም ዝዀነት ጽሕዲውን ክትከውን እያ። ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወን ዘበላን ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ፣ ኣብ ትሕቲ ዝላል ጨናግራ ኪነብራ እየን።

24. ኵለን ኣእዋም መሮር ከኣ ነታ ነዋሕ ኦም ለጠቕ ዘበልኩ፡ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀጽኩ፡ ነታ ንቕጽቲ ኦም ከኣ ዘጠጠዕኩ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ፡ ክገብሮ ድማ እየ።