1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጻኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብ ደቂ ዓሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም

3. ንደቂ ዓሞን ከኣ፣ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፣ ከምዚ ይብል አሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገሮም፣ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰትሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመትቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ ኣሰይ፣ ኣሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፣

4. ስለዚ እንሆ፣ ንደቂ ምብራእ ርስቶም ክትከውን፣ ድንኳናቶም ኪተኽሉልካ፣ ኣብ ማእከልካውን ሰፊሮም ኪሰርሑ ኽውፍየካ እየ። ንሳቶም ፍሬኻ ኺበልዑጸባኻውን ኪሰትዩ እዮም።

5. ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፣ ነድቂ ዓሞን ከኣ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።

6. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካበእጋርካ ኰርደብደብ ስለ ዝበልካ፣ ብዅሉ ነፍስኻ ንዓቕካያ ብሃገር እስራኤል ስለ እተሐጐስካ

7. ስለዚ እንሆ፣ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ አሎኹ እሞ፣ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፣ ካብ ህዝብታት ከጽንተካ፣ ካብ ሃገራት ክጥርሰካከጥፍኣካውን እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ።

8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ሞኣብን ሰኢርንእንሆ፣ ቤት ይሁዳስ ከም ኵላቶም ህዝብታት እዮም፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣

9. ስለዚ እንሆ፣ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታታክቡራት እታ ሃገር፣ እኒ ቤት-የሺሞትበዓል-መዖንቂርያታይም ክኸፍት እየ።

10. እቶም ደቂ ዓሞን ድሕርዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፣ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ዓሞን ዚመጹ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ።

11. ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

12. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፣ በዚ ዝፍርድዮ ሕነ እዚ ብርቱዕ በደል በዲሉ አሎ እሞ፣

13. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕሰብን እንስሳን ድማ ካብኣ ኸጽንት እየ። ካብ ቴማን ጀሚረ ጸምጸም በረኻ ኽገብሮም እየ፣ ክሳዕ ዴዳን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ይብል አሎ።

14. ኣነ ኸኣ፣ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፣ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ። ንሳቶም ንኤዶም ከም ኵራይን ነድረይን ኪገብርዋ እዮም። ምፍዳይ ሕነይውን ኪፈልጡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፣ በቲ ናይ ጥንቲ ጽልኦም ኬጥፍኡ ኢሎምሲ፣ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፣

16. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕንክረታውያን ከኣ ከጽንቶም፣ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተርፊ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።

17. ብመዓት ነድሪ ኸኣ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ሕነይ ምስ ፈዴኽዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።