1. ንስኻ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብበሊሕ ሰይፊ ውሰድ፣ ከም መላጸ ላጸዪ ዝበለ ውሰድ እሞ ርእስካን ጭሕምኻን ተላጸየሉ። ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ጸጕሪ ምቐሎ

2. መዓልትታት ምኽባብ ምስ ተፈጸመ፣ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንደዶ። ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቖኣዮ፣ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፣ ኣነ ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽመልሕ እየ።

3. ካባታተን ከኣ ሒደት ዝቝጽረን ወሰድ እሞ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛጽረን

4. ካብ እዚኣተን ከኣ መሊሰካ ውሰድ፣ ኣብ ማእከል ሓዊ ድማ ደርብየንብሓዊውን ኣንድደን፣ ካብዚ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኺወጽእ እዩ።

5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እዚኣስ የሩሳሌም እያ። ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣንበርክዋሃገራትውን ኣብ ከባቢኣ አሎ።

6. ንፍርደይ ንዒቖም፣ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፣ ንሳ ብረሲእነት ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተጻረረቶ፣ ካብተን ከቡበንኣ ዘለዋ ሃገር ገዲዳ ድማ ንሕጋጋተይ ኣፍረሰቶ።

7. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህብዝታት ገዲድኩም ስዲ ስለ ዝዀንኩምን ከም ሕጋጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቡኺም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘይተበርኩምንሲ፣

8. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ፣ ኣነ እመጻኪ አሎኹ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከኣ ኣብ ማእከልኪ ፍርዲ ኸውጽእ እየ።

9. ብሰሪ ዅሉ ጽያፍኪ ኸኣ፣ ገይረዮ ዘይፈልጥ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ዘይገብሮክገብረኪ እየ።

10. ስለዚ ኣብ ማእከልኪ ወለዲ ንውሉዶም፣ ውሉድ ድማ ንወለዶም ኪበልዑ እዮም። ፍርዲ ኣባኺ ኽፍጽሞ፣ ዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።

11. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይብል አሎ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ብርግጽ ንመቕደሰይ ብዅሉ ፍንፉን ነገርክን ብዅሉ ጽያፍክን ኣርከስክዮ፣ ስለዚ ኣነ ድማ ክንእሰኪ፣ ኦኣይነይ ብዘይ ድንጋጽ ካባኺ ኽመልስ ኣይክምሕረክንውን እየ።

12. ሲሶኺ ብፊራን ኺሞቱ፡ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ብጥሜት ኪውድኡ እዮም፡ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ፡ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎደድሕሪኦምውን ሰይፈይ ክመልሕ እየ።

13. ኵራይ ሃናኡ ኺወጽእነድረይ ከኣ ኣብ ሎሊኦም ኪዝሕል እዩ፣ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ። ነድረይ ኣባታቶም ምስ ኣዝሐልኩ፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብጸዓተይ ከም እተዛረብሉ ኺፈልጡ እዮም።

14. ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ህዝብታትን ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዚሐልፋ ዅላቶምን ከኣ ምድረ በዳን መጻረፍን ክገብረኪ እየ።

15. ብዅራን ብነድርን ብመዓት ነድርን ምስ ፈረድኩኺ፣ እዚ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት ንመጻረፍን ንመላገጽን ንመለበምን ንመሰክሕን ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ።

16. ንጥፍኣቶም ዚኸውን ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላጻ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፣ ምእንቲ ኼጥፍኣኩም ክሰዶ እየ፣ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፣ ንምርኩስ እንጌራኹምውን ክሰብሮ እየ።

17. ጥሜትን ንደቅኹም ዚቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩምፌራን ደምን ከኣ ብማእከልኪ ኺሐልፍ እዩ፣ ሰይፊውን ከተንስኣልኪ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ።