1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር አሎኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፣ ዘይርእዩ፣ ኣኣዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም፣ ዘይሰምዑ እዮም።
3. ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ከም ስደተኛ ኼንካ ተበትብ ኣዳሉ እሞ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ተበገስ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፣ ኣብ ቅድሚኦም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ጕዐዝ።
4. ከምቲ ተበትብ ስደት፣ ንተበትብካ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ኣውጽኣዮ። ከምቲ ንስደት ዚወጽእ ሰብ ኬንካ፣ ኣብ ቅድሚኦም ምሸት ውጻእ።
5. ኣብ ቅድሚኦም ነቲ መንደቕ ኣንኵሎ፣ ብእኡ ድማ ኣውጽኣዮ።
6. ኣብ ቅድሚኦም ኣብ መንኵብካ ጹሮ፣ ምስ ጸልመተ ድማ ኣውጽኣዮ። ንቤት እስራኤል መመሰሊ ገይረካ እየ እሞ፣ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ከይትርእያ፣ ገጽካ ተዐመት።
7. ከምቲ ዝአዘዘኒ ገበርኩ፣ ንተበትበይ፣ ከም ተበትብ ስደት ገይረ፣ ብመዓልቲ ኣውጻእክዎ፣ ምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፣ ኣብ መንኵበይ ጾይረ ኣብ ቅድሚኦም ኣውጻእክዎ።
8. ንጽብሒቱ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
9. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ቤት ኣስራኤል፣ እዛ ዓላዊት ቤትሲ፣ እንታይ ደኣ እዩ እትገብሮ ዘሎ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን፣
10. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፣ እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ነቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን እዩ፣ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮም፣
11. በለውን፣ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፣ ከምኡ ኺገብርዎም እዮም፣ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም።
12. እቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ መስፍን፣ ኣብ መንኵቡ ጸይሩ፣ ምስ ጸልመተ ኺወጽእ እዩ፣ ምእንቲ ኼውጽእዎስ፣ ነቲ መንደቕ ኬንኵልዎ እዮም። ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይርእያ ድማ ገጹ ኺዕመት እዩ።
13. መርበበይ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሓሉ፣ ብመፈንጠራይ ድማ ይተሐዝ። ናብ ባቢሎን፣ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጻኦ እየ፣ ግናኸ ኣብኣ ኺመውት ክነሱስ ኣይኪርእያን እዩ።
14. ንዅላቶም ኪሕግዝዎ ኢሎም ዚኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፣ ሰይፈይ ድማ ደድሕሪኦም ክመዝዝ እየ።
15. ኣብ ማእከል ህዝብታት ምስ ዘሮኽዎምን ኣብ ማእከል ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
16. ካባታቶ ግና ኣብቶም ዚመጽዎም ህዝብታት ኵሉ ፍንፉን ነገሮም ምእንቲ ኼዘንትዉስ፣ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ሒዶት ከትርፍ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
17. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
18. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፣ ማይካ ኸኣ ብፍርሃትን ብሰንፈላልን ስተ።
19-20. ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩስሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስ፣ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኵሎም ኣቶም ዚነብርዋ፣ ምስቲ ኣባኣ ዘሎ ኽትባድም ኣያ እሞ፣ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑ፣ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፣ እታ ሃግር ድማ ክትባድም እያ፣ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮም።
21. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
22. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ሃገር እስራኤል፣ ዘመን ይነውሕ፣ ራእይ ዘበለ ዅሉውን ይጠፍእ አሎ፣ ኢኩም እትምስሉስ እንታይ ምስላኡ እዩ እዚ፡
23. ስለዚ በሎም፣ ከምዚ ይብል አሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ መሊሶም ኣይኪምስልዎም እዮም፣ ንስኻግና፣ ዘመን መፈጸምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ አሎ፣ ኢልካ ደኣ ንገሮም።
24. ስለዚ ኣብ ማእከል ቤት ኣስራኤል ድሕርዚ ኸንቱ ራእይን ሓሳዊ ትንቢትን ኣይኪኸውንን እዩ።
25. ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፣ ኣነ እየ ዝዛረብ፣ እቲ ዝዛረቦ ቓል ከኣ ኪፍጸም ኣይኪድንጕን ድማ እዩ። ኣቱም ዓላዊት ቤት፣ ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፣ እገብሮውን አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
26. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
27. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንሆ፣ ቤት እስራኤልሲ፣ እቲ ዚርእዮ ራእይ ንዚመጽእ ነዊሕ ዘመን እዩ፣ ንርሑቕ ዘሎ ግዝያት ድማ እዩ ዚንበ ዘሎ፣ ይብሉ አለዉ።
28. ስለዚ በሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ድሕርዚ ኻብተን ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገሮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...