1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር አሎኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፣ ዘይርእዩኣኣዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም፣ ዘይሰምዑ እዮም።

3. ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ከም ስደተኛ ኼንካ ተበትብ ኣዳሉ እሞ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ተበገስ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፣ ኣብ ቅድሚኦም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ጕዐዝ

4. ከምቲ ተበትብ ስደት፣ ንተበትብካ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ኣውጽኣዮ። ከምቲ ንስደት ዚወጽእ ሰብ ኬንካ፣ ኣብ ቅድሚኦም ምሸት ውጻእ

5. ኣብ ቅድሚኦም ነቲ መንደቕ ኣንኵሎ፣ ብእኡ ድማ ኣውጽኣዮ

6. ኣብ ቅድሚኦም ኣብ መንኵብካ ጹሮ፣ ምስ ጸልመተ ድማ ኣውጽኣዮንቤት እስራኤል መመሰሊ ገይረካ እየ እሞ፣ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ከይትርእያገጽካ ተዐመት

7. ከምቲ ዝአዘዘኒ ገበርኩንተበትበይ፣ ከም ተበትብ ስደት ገይረ፣ ብመዓልቲ ኣውጻእክዎምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፣ ኣብ መንኵበይ ጾይረ ኣብ ቅድሚኦም ኣውጻእክዎ

8. ንጽብሒቱ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

9. ኣታ ወዲ ሰብቤት ኣስራኤል፣ እዛ ዓላዊት ቤትሲ፣ እንታይ ደኣ እዩ እትገብሮ ዘሎ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን፣

10. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፣ እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ነቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን እዩ፣ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮም

11. በለውን፣ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፣ ከምኡ ኺገብርዎም እዮም፣ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም።

12. እቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ መስፍን፣ ኣብ መንኵቡ ጸይሩ፣ ምስ ጸልመተ ኺወጽእ እዩ፣ ምእንቲ ኼውጽእዎስ፣ ነቲ መንደቕ ኬንኵልዎ እዮም። ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይርእያ ድማ ገጹ ኺዕመት እዩ።

13. መርበበይ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሓሉብመፈንጠራይ ድማ ይተሐዝ። ናብ ባቢሎን፣ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጻኦ እየ፣ ግናኸ ኣብኣ ኺመውት ክነሱስ ኣይኪርእያን እዩ።

14. ንዅላቶም ኪሕግዝዎ ኢሎም ዚኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፣ ሰይፈይ ድማ ደድሕሪኦም ክመዝዝ እየ።

15. ኣብ ማእከል ህዝብታት ምስ ዘሮኽዎምን ኣብ ማእከል ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

16. ካባታቶ ግና ኣብቶም ዚመጽዎም ህዝብታት ኵሉ ፍንፉን ነገሮም ምእንቲ ኼዘንትዉስ፣ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ሒዶት ከትርፍ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

17. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

18. ኣታ ወዲ ሰብእንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕማይካ ኸኣ ብፍርሃትን ብሰንፈላልን ስተ

19-20. ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩስሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኵሎም ኣቶም ዚነብርዋ፣ ምስቲ ኣባኣ ዘሎ ኽትባድም ኣያ እሞ፣ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፣ እታ ሃግር ድማ ክትባድም እያ፣ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮም

21. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

22. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ሃገር እስራኤል፣ ዘመን ይነውሕራእይ ዘበለ ዅሉውን ይጠፍእ አሎ፣ ኢኩም እትምስሉስ እንታይ ምስላኡ እዩ እዚ፡

23. ስለዚ በሎም፣ ከምዚ ይብል አሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ መሊሶም ኣይኪምስልዎም እዮም፣ ንስኻግና፣ ዘመን መፈጸምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ አሎ፣ ኢልካ ደኣ ንገሮም

24. ስለዚ ኣብ ማእከል ቤት ኣስራኤል ድሕርዚ ኸንቱ ራእይን ሓሳዊ ትንቢትን ኣይኪኸውንን እዩ።

25. ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፣ ኣነ እየ ዝዛረብ፣ እቲ ዝዛረቦ ቓል ከኣ ኪፍጸም ኣይኪድንጕን ድማ እዩ። ኣቱም ዓላዊት ቤትብዘመንኩም ቃል እዛረብእገብሮውን አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

26. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

27. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንሆ፣ ቤት እስራኤልሲ፣ እቲ ዚርእዮ ራእይ ንዚመጽእ ነዊሕ ዘመን እዩ፣ ንርሑቕ ዘሎ ግዝያት ድማ እዩ ዚንበ ዘሎ፣ ይብሉ አለዉ።

28. ስለዚ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ድሕርዚ ኻብተን ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገሮም።