1. ኣታ ወዲ ሰብንጎግ ተነበየሉእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮ፣ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፣ እኔኹ፣ ከረኻኽበልካ እየ።

2. መሪሔን ደሪኸን ካብ ወሰን ሰሜን ከውጽኣካ፣ ናብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ከእትወካ እየ።

3. ንቐስትኻ ካብታ ጸጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮንፍላጻታትካ ኸኣ ካብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ።

4. ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከትወድቅ ኢኻ። ኪበልዑኻውን ንጋባትን ንበብዓይነቶም ዚዀኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ግዳምን ክውፍየካ እየ።

5. ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፣ ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

6. ኣብ ማጎግን ናብቶም ኣብ ደሴታት ሀዲኦም ዚነብሩ ዘለውን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

7. እቲ ቅዱስ ስመይ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ ኣየ። ድሕርዚ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ኣይከርክሶን እየ። እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ኣብ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

8. እንሆ፣ ይመጽእ ኪኸውን ድማ እዩ። እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

9. እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ ድማ እዮም እሞ፣ ኣጽዋርን ዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላጻታትን ኣጕማድን ኲናውትን ሓዊ ኣጒዶም ኬንድድዎ እዮም። ሾብዓተ ዓመትውን ብእኡ ሓዊ ኼንድዱ እዮም።

10. በቲ ኣጽዋር ገይሮም ሓዊ ኺአጕዱ እዮም እሞ፣ ካብ መሮር ዕጨይቲ ኣይከእትዉን፣ ካብ ዱር ከኣ ኣይኪቘርጹን እዮም። ነቶም ዝገፈፍዎም ኪገፍዎም፣ ነቶም ዝዘመትዎም ከኣ ኪዘምትዎም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

11. በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፣ ለሰ ሓለፍቲ መገዲ ዚበሀል መቓብር ክህቦ እየ። ነቶም ብእኡ ዚሐልፉ ኸኣ መገዶም ኪዐጽወሎም እዩ። ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ሰቡን ኪቐብርዎም እዮም። ለሰ ሃሞና-ጎግ ድማ ኪበሀል እዩ።

12. ቤት እስራኤል ከኣ፣ ነታ ሃገር ምእንቲ ኼጽርዩስብሾብዓተ ወርሒ ኪቐብርዎም እዮም።

13. ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ኪቐብሮም እዩ። እዚውን በታ ኣነ ዚኸብረላ መዓልቲ ንስም ኪዀኖም እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

14. ምእንቲ ኼጽርዮስ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዚጸንሑ ኪቐብሩ፣ ምስቶም ቀባሮ ኸይኖም ነታ ሃገር ከየቛረጹ ዚዞርዋ ሰብኡት ኬመቕርሑ እዮም። ድሕሪ ሾብዓተ ወርሒ ሃለው ኪብሉ እዮም።

15. እቶም እናዞሩ ብታ ሃገር ዚሐልፉ፣ ሓደ ኻብኦም ዓጽሚ ሰብ እንተ ረአየ፣ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሃሞና-ጎግ ክሳዕ ዚቐብሮምመሓበርታ ኺገብረሉ እዩ።

16. ስም እታ ኸተማ ኸኣ ሃሞና ኺበሀል እዩ። በዚ ኸምዚ ነታ ሃገር ኬጽርይዋ እዮም።

17. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን ንዅሎም ኣራዊት መሮርንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮምተኣኻኺብኩም ንዑስጋ ኽትበልዑ ደም ከኣ ክትሰትዩስ፣ ናብቲ ኣነ ዝሐረድኩልኩም መስዋእቲ፣ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ ኣኽራን እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣካኸቡ

18. ስጋ እቶም ጀጋኑ ኽትበልዑደም እቶም ከኣፍንቲ ምድሪ ኽትሰዩ ኢኹም። ናብ መኻክትን ገናሽልን ድቤላታትን ኣብዑርን እዩ፣ ኵላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም።

19. ካብቲ ኣነ ዝሐረድኩልኩም መዋእቲ ሕሩድ ክሳዕ እትጸግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፣ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም።

20. ኣብ መኣደይ ብፍራስን ብፈረሰኛታትን ብጀጋኑን ብዅሎም እቶም ተዋጋእትን ክትጸግቡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

21. ኣነ ኸኣ ግርማይ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክገልጽ እየ። ኵሎም ህዝብታት ድማ ነቲ ዝፈጸምክዎ ፍርደይን ነታ ኣብ ልዕሊኦም ዘንበርክዎ ኢደይን ኪርእዩ እዮም።

22. ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

23. እቶም ህዝብታት ከኣ፣ ቤት እስራኤል ብሰሪ ኣብሳኦም ከም እተማረኹ ኺፈልጡ እዮም። ንኣይ ጠሊሞም እዮም እሞ፣ ገጸይ ከወልኩሎም፣ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ወፌኽዎም፣ ኵላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ

24. ከም ርኽሰቶምን ከም ኣበሳኦምን መጠን ገበርክዎምገጸይ ከወልኩሎም

25. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ሕጂ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፣ ንዅላ ቤት እስራኤል ከኣ ክምሕራ፣ ስለ እቲ ቅዱስ ስመይ ድማ ክጽዕት እየ።

26-27. ካብ ማእከል ህዝብታት ምስ መለስክዎም፡ ካብ ሃገር ጸላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ኣባታቶም ምስ ተቐደስኩ፡ ሓደ እኳ ዜፍርሆም ዜብሎም ኣብ ሃገሮም ሀዲኦም ምስ ተቐመጡነውሮም ንኣይ ዝጠለምዎ ዅሉ ጥልመት ኪጾሩ እዪም።

28. ኣነ ናብ ማእከል ህዝብታት ኣማሪኸዮም ነይረስ፡ ድሕርዚ ኸኣ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣብኣ ኸየትረፍኩ ናብ ሃገሮም ምስ ኣካኸብክዎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

29. መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ምስ ከዖኹ፡ ድሕሪ ደጊም ገጸይ ኣይክኽውለሎምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ