1. ናብታ መቕደስ ድማ ኣእተወኒ። ነቲ ዓንዲ ሰቕሰቕውን ኣመቶ፣ እቲ ወርዱ ኸም ወርዲ እታ ድንኳንሹድሽተ እመት በዚ፣ ሹድሽተ እመት ከኣ በቲ ዀነ፣

2. ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኸኣ ዓሰርተ እመት እዩ፣ ገንዚ እታ ኣፍ ደገ ድማ ሓሙሽተ እመት በዚ፣ ሓሙሽተ እመት ከኣ በቲ እዩ። ምንዋሕ ኣርባዓ እመት፣ ወርዳውን ዕስራ እመት ኣመተ

3. ድሕርዚ ናብ ውሽጢ አተወ እሞ ንሰቕሰቕ እታ ኣፍ ደገ ኽልተ እመት፡ ነታ ኣፍ ደገ ኸኣ ሹድሽተ እመት፡ ወርዲ እታ ኣፍደገ ሸውዓተ እመት ኣመቶ

4. ነቲ ቕድሚ መቕደስ ምነዋሑ ዕስራ እመትወርዱ ኸኣ ዕስራ እመት ኣመት። እዚኣ እታ ቅድስቲ ቅዱሳን እያ፣ ከኣ በለኒ

5. ድሕርዚ መንደቕ እታ ቤት ሹድሽተ እመት ኣመተ። ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብዅሉ ወገና ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ወርደን ኣኣርባዕተ እመት ኣመተ።

6. እተን ብጎቦታታ ዝነበራ ኽፍሊ ኣባይቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ሰለስተ ደርቢ ዘለወን ሰላሳ እየን። ኣብ መንደቕ እታ ቤት ከይተጸግዓስ፣ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ እታ ቤት ኪጸግዓ፣ ኣብኡ ተጋጢመን እየን።

7. ኣብ ዙርያ እታ ቤት ካብ ደርቢ ናብ ደርቢ ዚዘውር መደያይቦ ነበረ እሞ፣ እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ብዙርያ ንላዕሊ ኣቢሉ ብዝወጸሉ መጠን እናገፍሔ እዩ ዚኸይድ። ስለዚ ምግፋሕ እታ ቤት ናብ ላዕሊ ኣቢሉ እዩ። ከምኡውን ካብ ታሕትስ ብላዕሊ ብማእከላይ ኣቢሉ መደየቢ ኣለዋ።

8. ኣነ ኸኣ ነታ ቤት ብዙርያኣ ልዕል ዝበለ መሰረት ከም ዘለዋ ርኤኹ። እቲ መሰረት እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ድማ በታ ሻምብቆ ሹድሽተ እመት ልክዕ እዩ።

9. እተን ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ እተሀንጻሉ መንደቕወርዱ ብወጻኢ ሓሙሽተ እመት እዩ። ኣብ መንጎ እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ንኣምፉ ዚነብር ቦታታት አሎ።

10. ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ብዙርያ እታ ቤት ዔዕስራ እመት እዩ።

11. ደጌታት እተን ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ናብቲ ንኣምፉ ዚነር ቦታታት፣ ሓንቲ ደገ ንሰሜንሓንቲ ኸኣ ንደቡብ ኣቢለን እየን። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ ኸኣ ብዙርያኡ ወርዱ ሐሓሙሽተ እመት እዩ።

12. እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ሕዳግ እተሀንጸ ንምዕራብ ወገኑ ወርዱ ሰብዓ እመት እዩ። ናይቲ እተሀንጸ ገንዚ መንደቕ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት እዩ፣ ምንዋሑ ኸኣ ተስዓ እመት እዩ።

13. ነታ ቤት ድማ ኣመታምንዋሓ ሚእቲ እመት ኰነት። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን እቲ ህኑጽን መንደቑን ከኣ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ኰነ።

14. ቅድሚት እታ ቤት ምስ ናይ እቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ፣ ወርዱ ሚእቲ እመት እዩ።

15. ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚት እቲ ንኣምፉ ዝዀነ ቦታ ኽሳዕ እቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ህንጻን፣ ነቲ በዝን ብትን ዘሎ መተሓላለፊኡን ኣመቶምንዋሑ ድማ ሚእቲ እመት ኰነ። እታ ውሽጣዊት መቕደስን እቲ ገበላይታት እቲ ኣጸድን

16. መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተፈብረ መሳዅትን እቲ ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደርብታት ዘሎ መተሓላለፍን ኣንጻር እቲ ልዳት፣ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዅቲ ብዙርያኡ ብሉሕ ተኸድኑ እዩ፣ እቲ መሳዅቲ ድማ ክዱን እዩ።

17. ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤትብወጻእን ብዙርያ ዅሉ እቲ መንደቕንብኣታዊኡን ብወጻኢኡን ብልክዕ እዩ።

18. ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽዎ አሎ። ኣብ መንጎ ኪሩቤልን ኪሩቤክን ከኣ ሓንቲ ስየ አላ። ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከኣ ከክልተ ገጽ አለዎ።

19. ነታ ስየን ናብዚ ወገና ገጽ ሰብ፣ ነታ ስየስ ናብቲ ወገና ኸኣ ገጽ ኣንበሳ ኣለዋ። ንብዘላ እታ ቤት ብዅሉ ዙርያኣ ኸምኡ ተገኡርዋ እዩ።

20. ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ ኪሩቤል ስየን ተቕሪጽዎ አሎ። እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ እዩ።

21. ልዳውቲ እታ መቕደስ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ እዩ። ደገ እታ ቅድስቲ ቦታ ድማ ትርኢቱ ኸምኡ እዩ።

22. እቲ መሰውኢ ድማ ካብ ሉሕ እተገብረ እዩ። ቍመቱ ሰለስተ እመትምንዋሑ ኽልተ እመት እዩ። መኣዝን ከኣ አለዎ፣ ግድጊዳኡ ኸኣ ሉሕ እዩ። ንሱውን፣ እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ መኣዲ እያ፣ በለኒ

23. ንታ መቕደስን ቅድስቲ ቦታን ክልተ ማዕጾ ኣለዋኤን።

24. ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ድማ ክልተ መቃን፣ ኣብ ከክልተ ዚዕጸፉ መቃን፣ ነታ ሓንቲ ማዕጾ ኽልተ መቃን፣ ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ክልተ መቃን ኣለዋኤን።

25. ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፣ ኣብተን ደጌታት መቕደስ ከኣ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽወን አሎ። ኣብ ወጻኢ እቲ ገጽ ገበላ ኸኣ ካብ ረጕድ ኦም እተገብረ ናሕሲ አሎ።

26. ኣብ ጎቦታት እታ ገበላ ኸኣ በዝን በትን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዅትን ስየን ኣለዋ። እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንጻን እቲ ናሕሲ ዕጨይትን ከኣ ከምኡ እዩ።