1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብ የሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፣ ቃልካ ኸኣ ዓው ናብቲ ቕዱስ ስፍራታት ኣንጠብጥብንሃገር እስራኤል ከኣ ኣንጻር ተነበየሉ

3. ነታ ሃገር እስራኤልእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገራ፣ እኔኹ ኣናጻርኪ እየ፣ ሰይፈይ ከኣ ካብ ሰገባኡ ኽመልሖ ካባኺውን ጻድቃንን ረሲኣንን ከጥፍእ እየ።

4. ንጻድቃንን ረሲኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፣ ስለዚ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ ካብ ደብብ ክሳዕ ሰሜን ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኺምላሕ እዩ።

5. ስጋ ዘዝበሉ ዅሎም ከኣ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩኪፈልጡ እዮም፣ ኣይኪምለስን ድማ እዩ።

6. ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብቈዝምብምስባር ሓቛቝኻብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ቈዝም።

7. ኪኸውን ከኣ እዩ፣ እንታይ ኴንካ ትቝዝምኢሎም እንተ ሐተቱኻ፣ ንስኻ፣ በቲ ዚመጽእ ወረ ዅሉ ልቢ ኺመክኽ፣ ኵለን ኣእዳው ድማ ወለል ኪብላ፣ ኵሉ መንፈስ ከኣ ኪሕለል፣ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ኪፈስስ እዩ፣ ኢልካ ምለሰሎም። እንሆ፣ ይመጽእ አሎ፣ ኪፍጸም ድማ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

8. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

9. ኣታ ወዲ ሰብተነበ በልውንእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ሰይፊ፣ ሰይፊ በሊሑን ተወልዊሉን አሎ በል

10. ምእንቲ ኺሐርድ በሊሑ፣ ምእንቲ ማሕማሕ ኪብል ተወልዊሉ። እምብኣርሲ ብእኡዶ ክንሕጐስ ኢና፡ በትሪ ወደይ ንዅለን ኣዕጻው ትንዕቀን አላ።

11. ብኢድ ምእንቲ ኪተሐዝኪውልወል ሀቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኺውፈ፣ ተሳሕለን ተወልወለን

12. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ኪኸውን እዩ እሞ፣ ጭርሕዋይዋይ ከኣ በል። ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተዋሂቦም እዮም፣ ስለዚ ሰለፍካ ውቓዕ

13. ምዕዛብ መጸ፣ እታ እትንዕቕ በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ፣ እንታይ ደኣ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

14. ኣታ ወዲ ሰብተነበ በእዳውካ ኸኣ ኣጣቕዕ። እቲ ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይካዕበት፣ እቲ ሰይፊ ናይቶም ክሳዕ ሞት ዚቘሰሉ፣ እቲ ሰይፊ ናይቲ ኽሳዕ ሞት ዝቘሰለ ዓብዪ እዩ ናብ ቤቶም ዚኣቱ።

15. ልቦም ምእንቲ ኺመክኽዕንቅፋቶም ከኣ ኪበዝሕሲኣንፊ ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደጌታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ። ኣየ፣ ከም በርቂ መስመስ ይብል፣ ኪሐርዱሉ ኸኣ ተሳሒሉ አሎ።

16. ስሕለትካ ናብ ዘበሎ ተዳሊኻ ንየማን ወይስ ንጸጋም ኪድ

17. ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፣ ሃና ነድረይውን ከውጽእ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ ተዛሪበዮ ዘሎኹ።

18. መሊሱውን ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

19. ኣታ ወዲ ሰብሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዚሐልፈለን ክልተ መገዲ ንኣኻ ግበርክልቴኤን ካብ ሓደ ሃገር ይውጽኣ። መሓበርታ ኸኣ ግበር፣ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መገዲ ግበሮ።

20. ሰይፊ ናብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን፣ ናብ ይሁዳ ኸኣ ናብታ ዕርድቲ የሩሳሌም ኪመጽእስመገዲ ኽትገብር ኢኻ።

21. እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽጥንቍል፣ ኣብታ ቓራና መገዲ፣ ኣብ ርእሲ ኽልቲኤን መገዲ ደው ኢሉ አሎ፣ ፍላጻታት የነኒንጣኦታት ቤት ይጥይቕከብዲ ይጥምት አሎ።

22. ኣብኡ መፍረስ ዕርዲ ኺትከል፣ ንዘመራ ውግእ ኣፉ ኪኸፍትንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኺጭድር፣ ኣብ መንጽር ደጌታት ከኣ መፍረስ ዕርዲ ኬቕምው፣ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኺነድቕሲ፣ ኣብ የማነይቱ ናብ የሩሳሌም እተመልክት ዕጭ አላቶ።

23. ማሕላ ምሒሎም ክነሶምሲ፣ እዚ ጠንቈላ እዚ ሓሶት ኰይኑ ኺረኣዮም እዩ። ንሱ ግና፣ ምእንቲ ኺተሐዙኣበሳኦም ኬዘክር እዩ።

24. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽገበንኩም ተቐሊዑ፣ ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣዩኣበሳኹም ስለ ዘዘከረኩምዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፣ ስለዚ ብሓያል ኢድ ክትተሐዙ ኢኹም፣ ይብል አሎ።

25. ኣታ በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልትኻ ዝበጽሔ ርኹስ ረሲእ መስፍን እስራኤል

26. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ዘውዲ ቐንጥጥኣኽሊል ኣውጽእ። እዝስ ከምዚ ዘለዎ ዀይኑ ኣይኪነብርን እዩ። እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፣ እቲ ልዕል ዝበለ ኸኣ ይዋረድ

27. ጥፍኣት፣ ጥፍኣት፣ ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ እዚ ኸኣ ኣይኪነብርን እዩ።

28-29. ንስኻ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ዓሞንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገር በልውን፣ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበጽሔ ቕቱላት ረሲኣን ኼንብሩኽስ፣ ከንቱነት ኪርእዩልኪጠንቈላ ሓሶት ከኣ ኪናገሩልኪ ኸለዉ፣ ሰይፊ፣ ሰይፊ ተመሊሑ አሎ። ኪሐርድን ኪጐምምን መስመስ ኪብልን ተወልዊሉ አሎ።

30. ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፣ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ፣ ኣብታ እተወለድካላ ሃገር ክፈርደካ እየ።

31. ኵራይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎሓዊ ነድረይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፣ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፣ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ።

32. ብልዒ ሓዊ ክትከውን ኢኻ፣ ደምካ ኣብ ማእከል ሃገር ኪክዖ እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ፣ ዚዝክረካ የልቦን።