1. ድሕርዚ ናብቲ ደገ፣ ናብቲ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ኣውጽኣኒ

2. እንሆ ኸኣ፣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መጸድምጺ ድማ ከም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ። ምድሪውን ብኽሩ በርሄት

3. እቲ ኣነ ዝርኤኽዎ ራእይ ድማ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መጻእኩ ዝርኤክዎ ራእይ እዩ። እዚ ራእያት እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ራእይ እዩ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ

4. ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ድገ ናብታ ቤት ኣተወ

5. መንፈስ ሐፍ ኣበለኒ፣ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ከኣ ኣእተወኒ፣ እንሆው፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ

6. ኣነ ኸኣ ካብታ ቤት ሓደ ኺዛረበኒ ኸሎ ሰማዕኩ፣ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ።

7. በለኒውን፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እታ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ንሓዋሩ ዝነብረላ ቦታ ዝፋነይን እግረይ ዚረግጻ ቦታን እዚኣ እያ። ቤት እስራኤል፣ ንሳቶምን ነገስታቶምን ነቲ ቅዱስ ስመይ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን ኣብቲ በረኽቲ ቦታኦም ድሕርዚ ኣይኬርስክዎን እዮም።

8. መንደቕ ጥራይ ኣብ መንጎይን መንጎኦምን ክሳዕ ዚኸውን፣ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፣ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ። በዚ ዝገበርዎ ጽያፍ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ፣ ስለዚ ድማ ብቝጥዓይ ኣጥፋእክዎም

9. ሕጂ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታትምን ካባይ ኬርሕቑ እዮም፣ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእከሎም ክነብር እየ።

10. ኣታ ወዲ ሰብብኣበሳኦም ኪሐፍሩስ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮምኣተሃናንጻኣ ኸኣ ኣለክዓዮም

11. በቲ ዝገበርዎ ዅሉ እንተ ሐፈሩስምስላን ስርዓታን ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኺሕልውዎን ኪገብርዎንምስሊ እታ ቤትን ኣሰራርዕኣን ነቲ መውጽኢኣን መእተዊኣን ኵሉ ምስላን ኵሉ ስዓታን፣ ኵሉ ምስላን ኵሉ ሕጋጋታን ኣፍልጦም፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ ጽሐፎ

12. ሕጊ እታ ቤት ድማ እዚ እዩ፣ እቲ ኣብ ዝባን እቲ ኸረን ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ ኣዝዩ ቅዱስ እዩ፣ እንሆ፣ ሕጊ እታ ቤት እዚ እዩ።

13. ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመትሲ እዚ እዩ፦ እታ እመት ከኣ እመትን ስድርን እያ፦ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ብዘሎ ዙርያ ኸንፈራውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ። እዚ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ።

14. ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕታይ ሕዳግ ክልተ እመት፣ ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ካብቲ ታሕታይ ሕዳግ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ ኣርባዕተ እመት፣ ወርዱን ሓደ እመት እዩ።

15. እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፣ ካብቲ መእጐድ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ኣርባዕተ ቐርኒ አሎ።

16. እቲ ናይ መሰውኢ መእጐድ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተው ክልተ እመት፣ ወርዱ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት እዩ። ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ እዩ።

17. እቲ ሕዳግ ከኣ በርባዕተ ወገኑ ምንዋሑ ዓሰርተው ኣርባዕተ እመትወርዱውን ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ። እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸንፈር ድማ ፈረቓ እመት፣ እግሩ ኸኣ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ። ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገጹ እዩ።

18. በለኒ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ መስዋእቲ ምሕራር ኣብኡ ምእንቲ ኬቕርቡደም ከኣ ኣብኡ ኺነጽጉስ፣ በቲ ዚስርሓሉ መዓልቲስርዓት እቲ መሰውኢ እዚ እዩ፤

19. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ነቶም ኬገልግሉኒ ኢሎም ዚቐርቡኒ፣ ካብ ዘርኢ ጻዶቅ ዝዀኑ ሌዋውያን ካህናት ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ።

20. ንስኻ ድማ ካብቲ ደሙ ኽትወስድ፣ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን ኣብቲ ኣርባዕተ መዛን ሕዳጋትን ኣብቲ ኸንፈሩን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ ኸተጽርዮን ከተትዐርቖን ኢኻ።

21. ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፣ ኣብ ወጻኢ መቕደስ፣ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ኪነድድ እዩ።

22. ብኻልኣይ መዓልቲ ኸኣ ጕድለት ዜብሉ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከተቕርብ ኢኻ። ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘጽረይዎ፣ ነቲ መሰውኢ ኼጽርይዎ እዮም።

23. ምጽራዩ ምስ ፈጸምካጕድለት ዜብሉ ዝራብዕ፣ ካብ ኣባጊዕውን ጕድለት ዜብሉ ድዑል ከተቕብር ኢኻ።

24. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተቕርቦ ኢኻ፣ እቶም ካህናት ድማ ጨው ኪንስንሱሎም፣ መስዋእቲ ምሕራር ከኣ ንእግዚኣብሄር ኬቕርቡሉ እዮም።

25. ሾብዓተ መዓልቲ ዕለት ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ድቤላ ኸተቕርብ ኢኻ። ጕድለት ዜብሎም ዝራብዕን ካብ ኣባጊዕ ድማ ድዑልን ኪስውኡ እዮም።

26. ሾብዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኼተዐርቕዎን ኬንጽህዎን ኪጽምብልዎን እዮም።

27. እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ተፈጸማ፣ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ብድሕሪኣን እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንመስዋእቲ ምሕራርኩምን ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ኬቕርቡ እዮም። ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ