1. ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፡ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እታ ኸተማ ኻብ እትተሐዝ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት፡ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኢድ እግዚእብሄር ኣብ ልዕለይ መጸት፡ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ

2. ብራእይ ኣምላኽ ናብታ ሃገር እስራኤል ወሰደኒ፣ ኣብ ነዊሕ ከረን ከኣ ኣንበረኒ። ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑጽ ከተማ ነበረ።

3. ናብኣ ኸኣ ወሰደኒ፣ እንሆ ድማ፣ ከም ኣስራዚ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፣ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ገመድን ዚእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ኣብታ ደገውን ደው ኢሉ ነበረ።

4. እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ናብዚ ተመሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ኣነ ዘርእየካ፡ ዘበለ ዅሉ በዒንትኻ ጠምቶበእዛንካ ድማ ስምዓዮብልብኻ ኸኣ ኣቕልበሉ። እቲ ዝርኤካዮ ዅሉውን ንቤት እስራኤል ንገሮምበለኒ

5. እንሆ ኸኣ፣ ነታ ቤት ብወጻኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ምንዋሓ ሹድሽተ እመት እያ። እተን እመት ድማ ኤእመትን ስድርን እየን። ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተሓንቲ ሻምብቆ ዀነ፣ ቍመቱውን ሓንቲ ሻብምቆ።

6. ድሕርዚ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መጸብደረጃታታ ኸኣ ደየበ። ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት፣ እታ ኻልኣይቲውን ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ።

7. ነፍሲ ወከፍ እቃቤት ከኣ ምንዋሓ ሓንቲ ሻምብቆወርዳ ድማ ሓንቲ ሻምብቆ እያ። ምርሕሓቕ እተን እቃቤታት ከኣ ሐሓሙሽተ እመት እዩ። እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት።

8. ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተሓንቲ ሻምብቆውን ኰነ።

9. ንገበላ እታ ደገ ኣመቶሾሞንተ እመት ከኣ ዀነ፣ ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ድማ ከክልተ እመት ኰነ። ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ እዩ።

10. እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዜብል ደገ እቃቤታት ሰለስተ በዚ ሰለሰተ ድማ በቲ እየን። ሰለስቲኤን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን፣ እተን ኣዓኑድ ከኣ በዝን በትን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን።

11. ወርዲ እታ ደገ ኣመቶ፣ ዓሰረተ እመት ከኣ ዀነ። ምንዋሕ እታ ደገ ድማ ዓሰርተው ሰለስተ እመት ኰነ።

12. ኣብ ቅድሚ እተን እቃቤታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዚ ሓንቲ እመትውን በቲ እዩ። እተን እቃቤታት ከኣ በዚ ወገን እዝን በቲ ወገን እትን ሸሽዱሽተ እመት እዩ።

13. ነቲ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ እቃቤት ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልአይቲ አመተልወርዱ ኸኣ፡ ካብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኰነ።

14. ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ዓንዲ ኣጸድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ

15. ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ ኽሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት እዩ።

16. ኣብተን እቃቤታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕንኑድን ብዅሉ ዙርያኤን ዓይነ ርግቢ ዘለዎ መሳዅቲ ነበረን። ከምኡውን ኣብተን ገበላታት ብወገን ውሽጠን ብዅሉ ዙርያኤን መሳዅቲ ነበረን። ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕኑድ ከኣ ስየታት ነበረ።

17. ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ወሰደኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብኡ ክፍልታት ኣባይቲ ነበረ፣ ዙርያ እቲ ኣጸድውን ብእምኒ ተነጺፉ ነበረ። ኣብቲ እምኒ እተነጽፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ።

18. እቲ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ ኣብ ጥቓ ደጌታት እዩ፣ ልክዑ ኸኣ ከም ምንዋሕ እቲ ደጌታት እዩ። እዚ እቲ ታሕታይ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ እዩ።

19. ካብ ቅድሚ እታ ታሕተይቲ ደገ ሒዙ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወጻኢ ነቲ ወርዳ አመቶ፣ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከኣ መሚእቲ እመት እዩ።

20. ነቲ ንሰሜን ገጹ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን አመቶ

21. እቃቤታት ሰለስተ፣ በዚ ሰለስተ ኸኣ በቲ ነበረ። ኣዕኑድ ሰቕሰቑን ገበላታቱን፡ ከምቲ ስፍሪ እታ ቐዳመይቲ ደገንዋሑ ሓምሳ እመትወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።

22. መስዅታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ እዩ። መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፣ ገበላታት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።

23. ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ድማ በንጻር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዚርእያ ደጌታት እያ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ አመተሚእቲ እመት ከኣ ዀነ።

24. ድሕርዚ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሐኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ናብ ደቡብ እተርኢ ደገ እያ። ነዕኑዳን ገበላታትን ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ አመተን

25. ከምተን መሳዅቲ ኸኣ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታትን መሳዅቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፣ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።

26. መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፣ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዱ ኸኣ ስየታትሓደ በዚ፣ ሓደ በቲ ነበረ።

27. እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ደገ አመተሚእቲ እመት ከኣ ዀነ።

28. በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣእትወኒ። ነታ ደገ ደቡብ ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ አመታ

29. እቃቤታታን ኣዕኑዳን ገበላታታን ከኣ ክንዲ ኣቲ መስፈሪ እዩ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዅቲ ኣለዋ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፣ ወርዳውን ዕስራን ሕሙሽተን እመት እዩ።

30. ዕስራን ሕሙሽተን እመት ዝምንዋሑሓሙሽተ እመት ከኣ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ አሎ።

31. ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ሰቕሰቅ ኸኣ ስየታት አሎ፣ መደያይቦኡ ሾሞንተ ደረጃ እዩ።

32. ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ኣጸድ ወሰደኒ እሞ ነታ ደገ ክንዲ እቲ መስፈሪ አመታ

33. እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ክንዲ እቲ መስፈሪ እዩ፣ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ አሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፣ ወርዳ ኸኣ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እያ።

34. ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ድማ ስየታት በዝን በትን አሎ። መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ እዩ።

35. ናብ ሰሜናዊት ደገ ወሰደኒ፣ ክንዲ እቲ መስፈሪ ኸኣ አመቶ

36. እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ከኣ ከምኡ፣ መሳዅቲውን ብዙርያኣ አሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመትወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።

37. ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ፣ ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ኸኣ በዝን በትን ስየታት አሎ፣ መደያይቦኣውን ሾሞንተ ደረጃ እዩ።

38. ኣብ ጥቓ እተን ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ደጌታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ አላ። ኣብኣውን መስዋእቲ ምሕራር ይሐጽቡ ነበሩ።

39. ኣብታ ገበላ ደገ ኸኣ፣ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ዚሐርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዚ፣ ክልተ ሰደቓ ድማ በቲ አሎ።

40. ኣብ ጥቓ እቲ ብወጻኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዜደይብ መደያይቦ ኸኣ ክልተ ሰደቓ አሎ፣ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ክልተ ሰደቓ አሎ።

41. እምብኣርስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓ በዚ፣ ኣርባዕተ ሰደቓ ኸኣ በቲ አሎ፣ እዚ መስዋእቲ ዚሐርዱሉ ሸሞንተ ሰደቓ እዩ።

42. ንመስዋእቲ ምሕራር ዚኸውን ካብ ውቑር እምኒ እተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓ አሎ። ምንዋሑ እመትን ስድርን፣ ወርዱ እመትን ስድርን፣ ምብራኹ ሓደ እመት እዩ። ኣብኡውን ነቲ ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእትን ዚሐርዱሉ መሳርያ ዚንበሮ እዩ።

43. ሰስድሪ ዝምንዋሑ ኵላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ አሎ። እዚ ሰደቓታት እዚ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዚንበሮ እዩ።

44. ኣብ ውሽጣዊ ኣጸድ ኣብ ወጻኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸኣ ንመዘምራን እተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ አሎ። ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ አላ፣ ገጻ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ።

45. ንሱውን በለኒ፣ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ነቶም ነታ ቤት ኬገልግሉ እተመደቡ ኻህናት እያ።

46. እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኼገልግሉ ዚነቕሑ ኻህናት እያ። ንሳቶም ኬገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻብ ደቂ ሌውስ ድቂ ጻዶቅ እዮም።

47. ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣጸድ አመቶምንዋሑ ሚእቲ እመትወርዱውን ሚእቲ እመት እዩ። እቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዘሎ።

48. ናብ ገበላ እታ ቤት ከኣ ወሰደኒ፣ ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ እታ ገበላ ድማ አመቶሓሙሽተ እመት በዚ፣ ሓሙሽተ እመት በቲ እዩ። ወርዲ እታ ደገ ኸኣ ሰለስተ በዚ፣ ሰለስተ እመት በቲ እዩ።

49. ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመትወርዳ ኸኣ ዓሰርተው ሓደ እመት እዩ፣ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ከኣ ሓደ በዚ፣ ሓደውን በቲ ኣዕኑድ አሎ።