1. ንስኻ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብጡብ ውሰድ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣንብሮ እሞ ከተማ፣ ማለት የሩሳሌም ሰኣለሉ።

2. ክቢ ኽበባ፣ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ስራሕዕርዲ ዕረዳ፣ ሰፈር ኣስፍረላ፣ ብዅሉ ዙርያኣ ድማ ደዐውል ግበር

3. ንስኻ ኸኣ መቝሎ ሓጺን ወሲድካ፣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን ከም መንደቕ ሓጺን ጌርካ ኣንብሮ። ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕኖ፣ ክብብቲ ትኹን፣ ክበባውን። እዚ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን።

4. ደሓር ብጸጋማይ ጐድንኻ በጥ በል፣ ኣብኡውን ንኣበሳ ቤት እስራኤል ኣንብሮ፣ ክንዲ ቝጽሪ እተን በጥ እትብለለን መዓልትታት ከኣ ኣበሳኦም ክትጸውር ኢኻ።

5. ኣነ፣ ድማ ዓምታት ኣበሳኦም ብቝጽሪ መዓልትታት፣ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፣ ገይረልካ አሎኹ። ንስኻውን ኣበሳ ቤት እስራኤል ክትጸውር ኢኻ።

6. እዚ ምስ ኣእከልካ ኸኣ፣ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐድንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፣ ነርብዓ መዓልቲውን ኣበሳ ቤት ይሁዳ ኽትስከም ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ አሎኹ።

7. ገጽካን እቲ ጥራዩ ዘሎ ቕልጽምካን ናብታ ኽብብቲ የሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ

8. እንሆ፡ ብገመድ ቀጥ ኤብለካ፡ ነተን መዓልትታት ምኽባብካ ኸየእከልካየን ከኣ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብታ ሓደ ጐድንኻ ኣይክትግልበጥን ኢኻ።

9. ንስካ ስርናይና ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ወሰድ፣ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፣ ካብኡ እንጌራ ሰንክትብቝጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ እትድቅሰለን መዓልትታት፣ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፣ ካብኡ ኽትበሎ ኢኻ።

10. እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሲቃል ይኹን። ካብ ጊዜ ኽሳዕ ጊዜ ኽትበልዖ ኢኻ።

11. ማይውን ብመሰፈሪሳድሰይቲ ኣፍ ሂን ክትሰቲ ኢኻ። ካብ ጊዜ ክሳዕ ጊዜ ኽትሰትዮ ኢኻ።

12. ኣብ ቅድሚኦም ብውጽኣት ግዳም ሰብ ኣብሲልካ፡ ኣብኡ ኸም ቅጫ ስገም ክትበልዖ ኢኻ።

13. እግዚኣብሄር ከኣ፣ ደቂ እስራኤልሲ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣነ ናብኦም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኰይኖም፣ ከምኡ ርኹስ እንጌራኦም ኪበልዑ እዮም፣ በለ

14. ሽዑ ኣነ፣ ወዮ፣ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እንሆ፣ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኩንፍንፉን ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይአተወንበልኩ

15. ንሱ ኸኣ፣ እንሆ፣ ኣብ ክንዲ ውጽኣት ግዳም ሰብሲ ዒባ ማል እህበካ አሎኹ፣ ብእኡ ጌርካ እንጌራካ ኸተብስል ኢኻ፣ በለኒ

16-17. መሊሰውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ኣብ የሩሳሌም ንምርኩስ እንጌራ ኽሰብሮ እየ። እንጌራን ማይን ኪስእኑ እዮም እሞ፡ ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪበልዕዎ፡ ንማይ ከኣ ብመስፈርን ብትካዘን ኪሰትይዎ እዮም። እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ዀይኖም ኪሰትይዎ ኪትክዙ፡ ብሰሪ ኣበሳኦምውን ኪጠፍኡ እዮም፡ በለኒ