1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብኦም ወይኒ፣ እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግሲ፣ ብምንታይ እዩ ኻብቲ ኻልእ ኣእዋም ዚበልጽ፡

3. ብእኡ ስራሕ ኪገብሩስ፣ ካብኡዶ ዕጨይቲ ይወስዱ እዮም፡ ኣቕሓ ኺሰቕሉሉስ፣ ጸዋሪትከ ኻብኡዶ ይወስዱ እዮም፡

4. እንሆሞዅ ኪብል ኣብ ሓዊ ይድርበ፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጭንፈሩ ይበልዖ፣ እቲ ማእከሉውን ይሐርር፣ ንገለ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ፡

5. እንሆ፣ ብደሓኑ ኸሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኸመይ ኢሉ ገለ ስራሕ ኪግበሮ ይከኣል፡

6. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይብል አሎ፣ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ብሓዊ ሞዅ ኪብል ዝወፌኽዎ ኦም ወይኒ፣ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።

7. ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ እየ፣ ካብ ሓዊ ወጹ፣ ግናኸ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ ከሎኹ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

8. ስለ ዝጠለሙ ነታ ሃገር ከባድማ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ