1. ንስኻ ኸኣ ንመሳፍንቲ እስራአኢል መልቀስ ኣልቅሰሎም፣ በል፣ ድማ፣

2. ከመይ ኰን ኣዴኻ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት። ኣብ ማእከል ኣናብስ ኣትጋደመት፣ ኣብ ማከል ሸደናት ኣናብስ ንዀራኵራ ኣዕበየት

3. ሓደ ካብቶም ኰራኵራ ኣዕበየትሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፣ ምምንታል ግዳይ ተማህረሰብውን በልዔ

4. ህዝብታት ብዛኦባኡ ሰምዑ፣ ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ተታሕዘሳንቀ ኣፍንጫ ገይሮም ናብ ሃገር ግብጺ ወሰድዎ

5. ትጽቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረአየትተስፋ ኸኣ ምስ ቀበጸት፣ ካብ ኰራኵራ ሓደ ኻልእ ወሰደትሽደን ኣንበሳውን ገበረት

6. ኣብ ማእከል ኣናብስ ተመላለሰ፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፣ ምምንጣል ግዳይ ተማህረሰብውን ነልዔ

7. ኣዳራሻቶም ገሰሰ፣ ከተማታቶም ኣዕነወእር ኢሉ ምስ ጓዘመምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ራዕራዕ በለ።

8. ሽዑ ኻብቲ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ህዝብታት ኣኽተቱሉመርበቦም ዘርግሑሉ፣ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተታሕዘ

9. ሳንቀ ገይሮም ኣብ ቈፎ ኣእተውዎ፣ ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ድሕርዚ ኸይስማዕ፣ ኣብ ጽኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ

10. ኣዴኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት። ብሳላ ብዝሒ ማያት እትጭብጭብ ሓረግ ፈራይት ኦም ወይኑ ዀነት።

11. ንዘንጊ መንግስቲ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውጽኤት፣ ጕንዳ ኣብ ማእከል ጽቡቕ ኣቋጽል ነውሔነዋሕን ሓረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፣ እትርኤ ዀነት።

12. ግናኸ ብቝጥዓ ተመንቈሰት፣ ኣብ ምድሪ ኸኣ ተደርበየትንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጾድልዱል ጨናፍራ ተሰብረን ነቐጸንሓዊውን በልዖ

13. ሕጂ ኣብ ምድረ በዳ፣ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣጻምእ ተተኪላ አላ።

14. ካብ ጨናፍራ ሓረጋ ሓዊ ወጸፍሪኣ ኸኣ ሞዅ ኣበለ። ዛንጊ ገዛኢ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን። እዚኣ ልቕሶ እያ፣ ከም ድጕዓ ትድጓዕ።