1. ኰነ ድማ፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት፣ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድጕዓ መልቀስ ደጕዓሉበሎውን፣ ንስኻ ኣብ ማእከል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፣ ኣብ ባሕርታት ከኣ ከም ገበል ትመስል ነበርካ፣ ኣብ ርባታትካ ጨንደላሕ በልካ፣ በእጋርካ ማያት ኣናወጽካ፣ ነቲ መሳኑ ድማ ዘርግካዮ።

3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብእኩባት ብዙሓት ህዝብታት ገይረ ኣነ መርበበይ ክዝርግሓልካ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብመርበበይ ኪስሕቡኻ እዮም።

4. ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጻሕ ከብለካ፣ ኣብ መሮር ክድርብየካ፣ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ። ኣራዊት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኸጽግቦም እየ።

5. ንስጋካ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ከንብሮንሽንጭሮታት ከኣ በቲ ኣሰከሬንካ ኽመልሶ እየ።

6. ነታ እትምሕሰላ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ኣኽራን ብደምካ ኽስትያ እየ፣ እቲ ርባታት ከኣ ብኣኻ ኪመልእ እዩ።

7. ከጥፍኣካ ኸሎኹ፣ ንሰማያት ከጐልብቦንኸዋኽብቱ ኸኣ ከጸልምቶምንጸሓይ ብደበና ክኽውላ እየ፣ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ።

8. ንዅሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰርካ ኸጸልምቶ፣ ኣብ ሃገርካውን ጸልማት ክዝርግሕ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

9. ወረ ጥፍኣትካ ናብ ህዝብታት፣ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገራት ምስ ኣብጻእኩልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከሕዝን እየ።

10. ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኦም ማህማህ ከብሎ ኸሎኹ፣ ንብዙሓት ህዝብታት ብኣኻ ኽሰክሖም እየ፣ ነገስታቶም ድማ ኣዝዮም ኪርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኵሉ ጊዜ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ኪብል እዩ።

11. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ኪለዐለካ እዩ።

12. ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኵላቶም ካብ ህዝብታት ዚጭክኑ እዮም። ንሓበን ህዝቡ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ።

13. ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ዝነበሩ ዅሎም እንስሳኡ ኸጥፍእ እየ። ድሕርዚ እግሪ ሰብ ኣይኪዘርጎን ሸዀና እንስሳውን ኣይኪዘርጎን እዩ።

14. ሽዑ ንማያቶም ከጽርዮ እየ፣ ንርባታቶም ድማ ከም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

15. ነታ ሃገር ግብጺ በረኻ ምስ ገበርክዋ፣ እቲ ነታ ሃገር መሊእዋ ዝነበረ ምስ ወቓኢክዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

16. እቲ ዚድጓዕ ድጕዓ መልቀስ እዚ እዩ። ኣዋልድ ህዝብታት ኬልቅሳኦ፣ ብዛዕባ ግብጽን እቲ ብዙሕ ህዝባን ኬልቅሳላ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

17. ኰነ ኸኣ፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓምት፣ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

18. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኣልቅሰሉ፣ ንእኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኣውርደን

19. ብጽባቐስ ካብ መን ትበልጺ፡ ውረዲ፣ ምስቶም ዘይግዙራት ከኣ ደቅሲ

20. ኣብ ማእከል እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም። እቲ ሰይፊ ተዋሂቡ አሎ። ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጓትትዋ

21. ካብቶም ጀጋኑስ እቶም ኣውራታት ሓያላት ካብ ውሽጢ ሲኦል ንእኡን ንደገፍቱን ከምዚ ኢሎም ኪዛረብዎ እዮም፣ እቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ ወሪዶም፣ ኣብኡ በጥ ኢሎም አለዉ።

22. ኣብኡ ኣሶርን ኵሉ ህዝባን አለዉ፣ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ አሎ። ኵላቶም ተቐትሉብሰይፊ ወደቑ

23. መቓብሮም ኣብ መኦኣሙቝ ጕድጓድህዝባ ኸኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ አሎ። እቶም ኣብ ሃገር ህያዋን ዜስክሑ ዝነበሩ ኵላቶም ተቐቲሎም ብሰይፊ ወዲቖም እዮም።

24. ኣብኡ ዔላምን ኵሉ ህዝባን ኣብቲ ዙርያ መቓብራ አለዉ። ኵላቶም ተቐትሉብስይፊ ወደቑ፣ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሰክሑ ዝነበሩ ዘይግዙራት ናብ መኦኣሙቝ ምድሪ ወረዱ፣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ተሰከሙ

25. ንእኣን ንዅሉ ህዝባን ኣብ ማእከል እቶም ቅቱላት ኣንጸፊሎምመቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሰክሑ ነበሩ እሞ፣ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም፣ ነውሮም ድማ ምስትም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ተሰከሙ። ኣብ ማእከል ቅቱላት ተነብሩ

26. ኣብኡ መሴክን ቱባልን ምስ ኵሉ ህዝቦም አለዉ። ኣብ ዙርያኣ መቓብር አሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፣ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም።

27. ንሳቶም ከኣ ምስቶም ካብቶም ዘይግዙራት ዝወደቑ ምስ ኣጽዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፣ ኣብ ትህቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስያፎም ዘንበሩሎም ጀጋኑ፣ ምሳታቶም ኣይድቅሱን እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሕ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፣ ኣበሳኦም ኣብ ልዕሊ ኣዕጽምቶም እዩ።

28. ንስካ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት ክትሰባበር፣ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ክትድቅስ ኢካ።

29. ኣብኡ ኤዶምን ነገስታታን ኵሎም መሳፍንታን አለዉ። እዚኣቶም ሃይሎም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ተነብሩ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱን ዘይግዙራትን ደቂሶም አለዉ።

30. ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ ኵላቶም መሳፍንቲ ሰሜንን ኵላቶም ሲዶናውያንን አለዉ። ብሃይሎም ዜስክሑ ኽነሶም ነዊሮምዘይግዙራት ኰይኖም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ይድቅሱ አለዉ፣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ይጾሩ አለዉ።

31. ፈርኦን ኪርእዮም፣ ስለ ዅሉ ህዝቡ ኸኣ ኪጸናናዕ እዩ። ፈርኦንን ኵሉ ሰራዊቱን ብሰይፊ ተቐቲሎም እዮ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

32. ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዚኸውን ከምጽእ እየ እሞ፣ ንፈርኦንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት፣ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ኬብልዎም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ