1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን

3. በልውን፣ ኣትን ኣኽራን እስራኤልቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዅርባታትን ንሽንጭሮታትን ንለሴታትን ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ ኣነ፣ እወ ኣነ ሰይፊ ኸምጽኣልኩም፣ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ።

4. መሰውኢታትኩም ኪፈርስ፣ እቲ ናይ ጸሃይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪሰባበር፣ ነቶም ውጕኣትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ታኦታትኩም ከውድቖም እየ።

5. ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ከንብሮኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ክዘርዎ እየ።

6. መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኺባድምን ኪዖኑንጣኦታትኩም ከኣ ኪስበርን ኪጠፍእን፡ ናይ ጸሃይ ኣዕኑድኩም፡ ድማ ኪፍለጽ፡ ስራሕኩም ምእንቲ ክድምሰስ፡ ንስኻትኩም ኣብ እትነብሩሉ ዘበለስ እንተ ከተማታት ኪዖንዋ እየን፡ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከኣ ኪፈርስ እዩ።

7. ተወጊኦም ዚሞቱ ኣብ ማእከልኩም ኪወድቁ እዮም፣ ንስኻትኩም ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

8. ኣብ ሀሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ሓያሎ ኺህልዉኹም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ትርፊ ኽሐድገልኩም እየ።

9. እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከኣ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፣ ነተን ኪዝምዋ ደድሕሪ ጣኦታቶም ዚኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፣ ኣብቲ ዘማረኽክዎም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኰይኖም ኪዝክሩኒ እዮም። በቲ ብዅሉ ጽያፎም ዝገበርዎ እኩይ ከኣ ንርእሶም ኪፍንፍኑ እዮም።

10. ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም። እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እየ ኢለ እተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኰነን።

11. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪወድቁ እዮም እሞ፣ ብኢድካ ኣታቕዕብእግርኻ ኸኣ ኰርደብደብ በል፣ ብዛዕባ ናይ ቤት እስራኤል ኵሉ እኩይ ጽያፍ ድማ፣ ኣየ፣ ወዮ፣ በል

12. እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኺመውት፣ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ብሰይፊ ኺወድቕ፣ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ኪመውት እዩ። በዚ ኸምዚ ቍጥዓይ ኣብታቶም ክፍጽም እየ።

13. እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእከል ጣኦታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዅድዅዶታት፣ ኣብ ዅሉ ርእሲ ኣኽራን፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቈጽሊ ዘለዎ ኣውሒ፣ ኣብ ማእከል እቲ ንዅሎም ጣኦታቶም ጥዑም መኣዛ ዝዐጠኑሉ ስፍራ ምስ ኰነ፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

14. ኣነ ኸኣ ኢደይ ልዝርግሓሎም እየ፣ ነታ ሃገር ድማ፣ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፣ ካብ በረኻ ዲብላታ እትገድድ ባዶን ጽምዋን ክገብራ እየ። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።