1. ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብዝረኸብካዮ ብላዕ። ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብልዓያኬድካ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦምበለኒ

2. ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፣ ንሱውን ነታ ጥቕላል ኣብለዓኒ

3. ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብከብድኻ ኣጽግብ፣ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ኣነ ዝህበካ ጥቕላል ምልኣዮበለኒ። ሽዑ በላዕክዋ፣ ኣብ ኣፈይውን ጥዕምቲ ኸም መዓር ጠዐመት።

4. በለኒ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ናብ ቤት እስራኤል ኪድ ብቓላተይ ከኣ ተዛረቦም

5-6. ናብ ቤት እስራኤል እምበር፡ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዐልዘረባኡ ዝኸቢድ ህዝቢ፡ ናብ ቋንቋኦም ዘይስትውዐሎዘረባኦም ዝኸቢድቃላቶም ዘይተስተውዕሎ ብዙሓት ህዝብታት ኣይተለአኽካን። ብርግጽ ናባታቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንሲ፡ ምሰምዑኻ ነይሮም።

7. ግናኸ ኵሉ ቤት እስራኤል፣ ግምባሮም ተሪር፣ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፣ ቤት እስራኤልሲ ኺሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝዀኑ፣ ንኣኻ ኣይኪሰምዑኻን እዮም።

8. እንሆንገጽካ ኣንጻር ገጾም ኣትሪረዮንግምባርካውን ኣንጻር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ።

9. ግምባርካ ኸም ኣልማዝ፣ ካብ ብላድ ዚብርትዕ ገይረዮ እየ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣይትሰምብድ

10. መሊሱውን በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንዅሉ እቲ ዝነግርካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮበእዛንካ ድማ ስምዓዮ

11. ናብቶም ምሩኻት፣ ናብ ደቂ ህዝብኻ ኺድ እሞ፣ እንተ ኺሰምዑኻ፣ እንተ ኺኣብዩኻእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፣ ኢልካ ንገሮምን በሎምን

12. እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዓለኒብድሕረይ ድማ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብቲ ቦታኡ ይባረኽ፣ ዚብል ብርቱዕ ደሃይ ምንቅጥቃጥ ሰማዕኩ

13. ኣነ ኸኣ ህማም እቲ ነንሓድሕዱ ዚጋጮ ዝነበረ ኣኽናፍ እቶም እንስሳን ደሃይ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መንኰራዂርን ደሃይ ዓብዪ ምንቅጥቃጥን ሰማዕኩ።

14. እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዐለኒ ወስደኒውንብዅራ መንፈሰይ መሪሩኒ ኸድኩኢድ እግዚኣብሄር ድማ በርቲዓ ኣብ ልዕለይ ነበረት።

15. ናብቶም ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ኣብ ቴል-ኣቢብ ዝነበረኡ ምሩኻት፣ ናብቲ ዚነብሩሉ ዘለዉ ኸኣ መጻእኩ። ኣብኡውን እናኣስቈርቈርኩሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ማእከሎም ተቖመጥኩ

16. ኰነ ድማ፣ ኣብ መወዳእታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

17. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ አሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም

18. ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ ምስ በልክዎ፣ እንተ ዘይመዐድካዮ፣ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፣ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዐድካዮንሲ፣ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።

19. ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዐድካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሀንካ

20. ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረመዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮብሓጢኣቱ ኺመውት፣ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝክርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።

21. ንስኻ ግና፣ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዐድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፣ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን

22. ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብኡ ኣብ ልዕለይ መጸት እሞ፣ ተንስእ፣ ናብ ጐልጐል ውጻእ፣ ኣብእ ምስካ ኽዛረብ እየ፣ በለኒ

23. ሽዑ ተንሲኤ ናብ ጐልጐል ወዛእኩ። እንሆ ኸኣ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ኽብሪ፣ ኣብኡ ቘይሙ ነበረ። ብገጸይውን ወደቕኩ

24. እቲ መንፈስ ከኣ ኣተወኒብእግረይ ድማ ደው ኣበነሊ እሞ፣ ኪድ ኣብ ቤትካ ተዐጾኢሉ ተዛረበኒ

25. ኣታ ወደ ሰብ፣ እንሆ፣ መእሰሪ ኺገብሩልካን ኪኣስሩኻን እዮም፣ ኣብ ማእከሎም ድማ ኣይክትውጽእን ኢኻ።

26. ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ምእንቲ ኽትዕበስንዘላፊኦም ከይትኸውንንሲ፣ ልሳንካ ኣብ ትንሓግካ ኸጥብቕ እየ።

27. ምስ ዝዛረበካ ግና፣ ንኣፍካ እኸፍቶ፣ ንስኻውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ክትብሎም ኢኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ዚሰምዕ ይስማኦዚኣቢውን ይእበ