1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ክትፈርድዶ ኢኻ፡ ነዛ ኸተማ ደምዶ ክትፈርዳ ኢኻ፡ እምብኣርስ ኵሉ ጽያፋ ኣፍልጣ።
3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎውን በል፣ ጊዜኣ ምእንቲ ኺበጽሕ፣ ኣብ ማእከላ ደም እትኽዑ፣ ንርእሳ ኸተርክስ ከኣ ጣኦታት እትገብር ከተማ እያ።
4. በቲ ዝኸዖኽዮ ደምኪ በደልኪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ጣኦታት ድማ ረኸስኪ። መዓልትታትኪ ኣቕረብኪ፡ ዓመታትኪውን ኣሕጸርኪ። ስለዚ ንህዝብታት መጻረፊ፡ ንዅሉ ሃገራት ከኣ መላገጺ ገበርኩኺ።
5. ኣቲ ርኹስ ዝወፌኺ፣ ዕግርግር ዝመልኣኪ ዝቐረቡኽን ዝረሐቑኽን ኬላግጹልኪ እዮም።
6. እንሆ፣ እቶም መሳፍንቲ እስራኤል፣ ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ፣ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነብሩ።
7. ኣባኺ ነቦን ነደን ነዐቑ፣ ኣብ ማእከልኪ ንመጻእተኛ ገፍዑ፣ ኣባኺ ንዘኽታምን ንመበለትን ጭቈኑ።
8. ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዐቕኪ፣ ንሰናብተይ ኣርከስኪ።
9. ንምፍሳስ ደም ኣባኺ ሓመይቲ ነበሩ፣ ኣባኺ ኣብቶም ኣኽራን በልዑ፣ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ሕሰም ገበሩ።
10. ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ገለጹ፣ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም መርገማ ኣዋረዱ።
11. ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ርኽሰት ገበረ፣ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፣ ሓደ ኻልእውን ኣባኺ ንሓብቱ ጋል ኣቦኡ ኣነወረ።
12. ደም ምእንቲ ኼፍስሱ፣ ኣባኺ ደርሆ ተቐበሉ፣ ኣኻዕበትክን ኣሕረጥክን፣ ብዓመጽ ካብ ብጻይኪ ረባሕኪ፣ ንኣይውን ረሳዕኪ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
13. እንሆ እምብኣር፣ በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕክዮን በቲ ኣብ ማእከልኪ ዝኸዖኽዮ ደምን ኢደይ ኣጣቓዕኩ።
14. በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ ልብኺዶ ኪቐውም ወይስ ኣእዳውኪ ኺጸንዓ እየን፧ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ።
15. ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኪ፣ ናብ ሃገራት ከኣ ክዘርወኪ፣ ርስሓትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ።
16. ብሰሪ ርእስኺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምኻነይ ከኣ ክትፈልጢ ኢኺ።
17. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
18. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ቤት እስራኤል ሓርኢ ሓጺን ኰኑኒ፣ ኣብ ማእከል እቶን ከኣ ኵላቶም ኣስራዝን ቈርቈሮን ሓጺንን ዓረርን እዮም። ሓተላ ብሩር ኰኑ።
19. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኵላትኩም ሓርኢ ሓጺን ኢኹም እሞ፣ ስለዚ እንሆ፣ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ክእክበኩም እየ።
20. ከምቲ ኪመክኽ ኢሎም፣ ሓዊ ምእንቲ ኺነፍሑሉ፣ ንብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን ዓረርን ቈርቈሮን ኣብ ማእከል እቶን ዚእክብዎ፣ ከምኡ ኸኣ ብቝጥዓይን ብነድረይን ክእክበኩምን ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ።
21. ክእክበኩም ሓዊ ነድረይ ድማ ክነፍሓልኩም እየ። ኣብ ማእከልውን ክትመኩ ኢኹም።
22. ከምቲ ብሩር ኣብ ማእከል እቶን ዚመክኽ፣ ከምኡ ኣብ ማእከል ኽትመኩ ኢኹም። ንስኻትኩምውን፣ ኣነ እግዚኣብሄር ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ፣ ክትፈልጡ ኢኹም።
23. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
24. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንእኣ፣ ንስኺ ዘይጸረኺ፣ ብመዓልቲ ኵራውን ዝናም ዘዘነመኪ ሃገር ኢኺ፣ ኢልካ ንገራ።
25. ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነብያት ተማሓሒሎም አለዉ፣ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዚጓዝም ዝንበሳ፣ ነፍሳት ወሐጡ፣ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፣ ኣብ ማእከላውን መበላሉ ኣብዝሑ።
26. ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፣ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፣ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፣ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ልዩነት ኣየፍለጡን፣ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዐመቱ፣ ኣነውን ኣብ ማእከሎም ረኸስኩ።
27. መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ፣ ብዘይ ቅንዕና ኺረብሑስ፣ ደም እናፍሰሱ፣ ነፍሳት እናጥፍኡ፣ ከምቶም ንግዳይ ዚሰላልዑ ተዃሉ እዮም።
28. ነብያት፣ ከንቱነት እናረአዩ፣ ሓሶት እናጠቈሉሎም፣ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦስ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እናበሉ ብዘይጠቅም ጸብሪ ለቕለቑሎም።
29. እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዐመጸ፣ ከተረ፣ ንሽጉርን ድኻን ገፍዔ፣ ንመጻእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቐ።
30. ኣነ ኸየጥፍኦስ፣ ነቲ ቐጽሪ ዜጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዚቐውም፣ ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰባኣይ ደሌኹ፣ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
31. ስለዚ ኸኣ ኵራይ ኣብ ልዕሊኦም ኣፍሰስኩ፣ ብሓዊ ነድረይ ኣጥፋእክዎም፣ መገዶም ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...