1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብክትፈርድዶ ኢኻ፡ ነዛ ኸተማ ደምዶ ክትፈርዳ ኢኻ፡ እምብኣርስ ኵሉ ጽያፋ ኣፍልጣ

3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎውን በልጊዜኣ ምእንቲ ኺበጽሕ፣ ኣብ ማእከላ ደም እትኽዑ፣ ንርእሳ ኸተርክስ ከኣ ጣኦታት እትገብር ከተማ እያ።

4. በቲ ዝኸዖኽዮ ደምኪ በደልኪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ጣኦታት ድማ ረኸስኪመዓልትታትኪ ኣቕረብኪዓመታትኪውን ኣሕጸርኪ። ስለዚ ንህዝብታት መጻረፊ፡ ንዅሉ ሃገራት ከኣ መላገጺ ገበርኩኺ

5. ኣቲ ርኹስ ዝወፌኺ፣ ዕግርግር ዝመልኣኪ ዝቐረቡኽን ዝረሐቑኽን ኬላግጹልኪ እዮም።

6. እንሆ፣ እቶም መሳፍንቲ እስራኤልነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነብሩ።

7. ኣባኺ ነቦን ነደን ነዐቑ፣ ኣብ ማእከልኪ ንመጻእተኛ ገፍዑ፣ ኣባኺ ንዘኽታምን ንመበለትን ጭቈኑ

8. ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዐቕኪንሰናብተይ ኣርከስኪ

9. ንምፍሳስ ደም ኣባኺ ሓመይቲ ነበሩ፣ ኣባኺ ኣብቶም ኣኽራን በልዑ፣ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ሕሰም ገበሩ

10. ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ገለጹ፣ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም መርገማ ኣዋረዱ

11. ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ርኽሰት ገበረሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፣ ሓደ ኻልእውን ኣባኺ ንሓብቱ ጋል ኣቦኡ ኣነወረ

12. ደም ምእንቲ ኼፍስሱ፣ ኣባኺ ደርሆ ተቐበሉ፣ ኣኻዕበትክን ኣሕረጥክንብዓመጽ ካብ ብጻይኪ ረባሕኪ፣ ንኣይውን ረሳዕኪይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

13. እንሆ እምብኣር፣ በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕክዮን በቲ ኣብ ማእከልኪ ዝኸዖኽዮ ደምን ኢደይ ኣጣቓዕኩ

14. በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ ልብኺዶ ኪቐውም ወይስ ኣእዳውኪ ኺጸንዓ እየን፧ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ።

15. ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኪ፣ ናብ ሃገራት ከኣ ክዘርወኪርስሓትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ።

16. ብሰሪ ርእስኺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምኻነይ ከኣ ክትፈልጢ ኢኺ።

17. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

18. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ቤት እስራኤል ሓርኢ ሓጺን ኰኑኒ፣ ኣብ ማእከል እቶን ከኣ ኵላቶም ኣስራዝን ቈርቈሮን ሓጺንን ዓረርን እዮም። ሓተላ ብሩር ኰኑ።

19. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኵላትኩም ሓርኢ ሓጺን ኢኹም እሞ፣ ስለዚ እንሆ፣ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ክእክበኩም እየ።

20. ከምቲ ኪመክኽ ኢሎም፣ ሓዊ ምእንቲ ኺነፍሑሉንብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን ዓረርን ቈርቈሮን ኣብ ማእከል እቶን ዚእክብዎ፣ ከምኡ ኸኣ ብቝጥዓይን ብነድረይን ክእክበኩምን ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ።

21. ክእክበኩም ሓዊ ነድረይ ድማ ክነፍሓልኩም እየ። ኣብ ማእከልውን ክትመኩ ኢኹም።

22. ከምቲ ብሩር ኣብ ማእከል እቶን ዚመክኽ፣ ከምኡ ኣብ ማእከል ኽትመኩ ኢኹም። ንስኻትኩምውን፣ ኣነ እግዚኣብሄር ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩክትፈልጡ ኢኹም።

23. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

24. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንእኣ፣ ንስኺ ዘይጸረኺብመዓልቲ ኵራውን ዝናም ዘዘነመኪ ሃገር ኢኺ፣ ኢልካ ንገራ።

25. ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነብያት ተማሓሒሎም አለዉ፣ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዚጓዝም ዝንበሳነፍሳት ወሐጡመዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፣ ኣብ ማእከላውን መበላሉ ኣብዝሑ።

26. ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፣ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፣ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፣ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ልዩነት ኣየፍለጡን፣ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዐመቱ፣ ኣነውን ኣብ ማእከሎም ረኸስኩ

27. መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ፣ ብዘይ ቅንዕና ኺረብሑስደም እናፍሰሱነፍሳት እናጥፍኡ፣ ከምቶም ንግዳይ ዚሰላልዑ ተዃሉ እዮም።

28. ነብያትከንቱነት እናረአዩሓሶት እናጠቈሉሎም፣ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦስእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እናበሉ ብዘይጠቅም ጸብሪ ለቕለቑሎም

29. እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዐመጸከተረንሽጉርን ድኻን ገፍዔንመጻእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቐ

30. ኣነ ኸየጥፍኦስ፣ ነቲ ቐጽሪ ዜጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዚቐውም፣ ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰባኣይ ደሌኹ፣ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን

31. ስለዚ ኸኣ ኵራይ ኣብ ልዕሊኦም ኣፍሰስኩብሓዊ ነድረይ ኣጥፋእክዎምመገዶም ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎምይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ