1. ኰነ ኸኣ፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብጢሮስ ብዛዕባ የሩሳሌምኣሰይ፣ ኣሰይ፣ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፣ ናባይ ተመሊሳ፣ ንሳ ባዲማ እያ፣ ኣነ ኽመክእ እየ፣ ኢላ አላ እሞ፣

3. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣቲ ጢሮስ፣ ተሀንዲደኪ እኔኹ፣ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበሉ ዜልዕሎ፣ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተንስኣልኪ እየ።

4. ንቐጽርታት ጢሮስ ኬጥፍእዎንግምብታታ ኸኣ ኬፍርስዎሓመዳ ኽጸርገላልምጽምጽ ዚብል ከውሒ ኽገብራ እየ።

5. ንሳ ኣብ ማእከል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ። ኣነ ተዛሪበ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽንህዝብታት በዝባዝ ክትከውን እያ።

6. እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልዳ ኸኣ ብሰይፊ ኪቕተላ እየን፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም።

7. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ንነቡካድነጻርንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፣ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ምስ ፈረሰናታትን ጭፍራን ብዙሕ ህዝብን ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምጽኦ እየ።

8. ነተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልድኪ ብሰይፊ ኪቐትለንዕርዲ ኺዐርደልኪ፣ ሓመድ ኪዅምረልኪዋልታታት ኬልዕለልኪ እዩ።

9. ነቲ መፍረሲኡ ናብ ቀጽርኺ ኣቢሉ ኺተኽሎ እዩ፣ ብመሳርያኡ ኸኣ ንግምብታትኪ ኼፍርሶ እዩ።

10. ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ እተላዕለ፣ ደሮናኦም ኬጐልብበኪ እዩ። ብፍሩስ ቀጽሪ ኣብ ከተማ ኸም ዚኣትዉ፣ ንሱ ብኣፍ ደጌታትኪ ኺኣቱ ኸሎ፣ ህዱድ ብምባል ፈረሰኛታትኪ መንኰራዅሩን ሰረገላታቱን ቀጽርታትኪ ነይነይ ኪብል እዩ።

11. ንዅሉ ኣደባባያትኪ ብሸዀና ኣፍራሱ ኺረግጾንህዝብኺ ብሰይፊ ኪቐትሎም፣ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ ኣብ ምዲ ጻሕ ኪብል እዩ።

12. ንመዛብትኺ ኺብዝብዙ፣ ነቕሑ ንግድኪ ኺዘምቱንመናድቕኪ ኼፍርሱ፣ ነቲ በብሉጽ ኣባይትኺ ኺፍንጥሑነእማንክን ኣዕጻውክን ሃመድክን ኣብ ማእከል ማይ ኪድርብዩ እዮም።

13. ንደሃይ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ድሕርዚ ድማ ቃና መሰንቆታትኪ ኣይኪስማዕን እዩ።

14. ልሙጽ ከውሒ ኽገብረኪ እየ፣ መስጥሒ መርበብ ክትኰኒ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ፣ ከም ብሓድሽ ኣይክትስርሕን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብህማም ምውዳቕኪ፣ እቶም ውጹዓት ውጉኣት ኪቕንዘዉ ኸለዉ፣ ኣብ ማእከልኪ ኪቕተሉ ኸለዉ፣ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይኪሕዘንን እዩ፡

16. ሽዑ ዅላቶም መሳፍንቲ ባሕሪ ካብ ዝፋውንቶም ኪወርዱባርኖሶም ኪቕንጥጡ ጥሉፍ ኣልባሶም ኪድርብዩስምባድ ኪኽደኑ፣ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ፣ ኵሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ኪብሉ፣ ብኣኺ ኺስክሑ እዮኢ።

17-18. ኣቲ መስፍሮ ሰብ ባሕሪ፣ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፣ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዚነብሩ ዝነበሩ ኼንኪ ብዅሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፣ ከመይ ኢልኪ ዀን ጠፋእኪ፣ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳኢ ኺንቅጥቀጣ፣ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኺስምብዳ እየን፣ ኢሎም መልቀስ ኬልቅሱልኪ እዮም።

19. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል አሎ፣ ከምተን ሓደ እኳ ዚነብረን ዜብለን ከተማታት ገይረዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኪኺ፣ መዓሙቝ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣስራሰርኩብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ

20. ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኸውርደኪ እየ። ኣባኺ ዚነብሩ ከይህሉስ፣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ። ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ ህያዋን ክገብረ እየ።

21. መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፣ ኣይክትህልውን ኢኺ። ዝደለየ እኳ እንተ ደለየኪ፣ ከቶ ንዘለኣለም ኣይክትርከብን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ