1. ድሕርዚ ናብ መገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ መጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፣ ዕጽውቲ ኸኣ እያ።

2. እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፣ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፣ ኣይትከፈትሰብውን ኣይእተዋ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል አትዩላ እዩ እሞ፣ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር።

3. እቲ መስፍንሲ፣ መስፍን ስለ ዝዀነ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጌራ ኪበልዕ፣ ኣብኡ ኪቕመጥ እዩ። ንሱ ብመገዲ ገበላ እታ ደገ ኺኣቱ፣ ብእእ ኣቢሉውን ኪወጽእ እዩ።

4. ድሕርዚ ድማ ብመገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፣ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምጽኣኒጠመትኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ

5. እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ኵሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄር ኵሉ ሕጋጋታን ዝነግረካ ዘሎኹ፣ ልብኻ ኣውደቐሉበዒንትካ ተመልከቶበእዛንካ ስምዓዮንመእተዊ እታ ቤትን ንዅሉ መውጽኢ እታ ቤት መቕደስን ኣጸቡቕካ ኣስተብህለሉ

6. ነዞም ዓለውቲ ቤት እስራኤልእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በሎም፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ርኽሰትኩም ዘበለ ዅሉ ይእከልኩም።

7. እንጌራይን ስብሕን ደምን ከተቕርቡ ኸሎኽኹ፣ ንቤተይ ኬርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገዝረስጋኦምውን ዘየተግዝረ ጓኖት ናብ መቕደሰይ ኣእቲኩምዋም ኢኹም እሞ፣ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጽያፍኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ

8. ኣብታ መቕደሰይ ንእኦም ኣብ ክንዳኹም ንኣገልግሎተይ መዘዝኩምዎም እምበር፣ ነቲ ቅዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎምን።

9. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ካብቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖትልቡ ዘይተገዝረስጋኡውን ዘይተገዝረ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ

10. እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሐቑንጣኦታቶም ኪስዕቡስ ካባይ ዝረሐቑ ሌዋውያን፣ ግና ኣበሳኦም ኪጾሩ እዮም።

11. ኣብ ደጌታት እታ ቤት ከኣ ሓለውቲ ኪዀኑ፣ ኣብታ ቤት ኬገልግሉስ፣ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ኪሐርዱ፣ ምእንቲ ኼገልግልዎም ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኪቘሙ እዮም።

12. ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ኣገልጊሎምዎምንቤት እስራኤል ከኣ ናብ ኣበሳ ኣዐንቂፎምዎም እዮም እሞ፣ ስለዚ ንሳቶም ኣበሳኦም ኪጾሩ እዮም ኢለ ኢደይ ኣሎአልኩሎምይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

13. ንሳቶም ድማ ነውሮምን ነቲ ዝገበርዎ ጽያፎምን ድኣ ኺጾሩ እዮም እምበር፣ ብመዓርግ ክህነት ኬገልግሉኒ፣ ኣብቲ እተቐደሰ ነገረይ ኣብቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ኪቐርቡስ ናባይ ኣይኪቀርቡን እዮም።

14. ንዅሉ ዕዮኣን ነቲ ኣብኣ ዚግበር ዘበለ ኵሉን ሓለውቲ እታ ቤት ኪዀኑ ኽምዝዞም እየ።

15. እቶም፣ ደቂ እስራኤል ካባይ ኪርሕቁ ኸለዉ፣ ንምሕላው መቕደሰይ እተጸምዱ ኻብ ወገን ሌዋውያን ዝዀኑ ኻህናት ደቂ ጻዶቅኬገልግሉኒ ኢሎም ኪቐርቡኒስብሕን ደምን ኪስውኡለይ ኣብ ቅድመይ ዚቘሙ እዚኣቶም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

16. ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ኪኣትዉ፣ ኬገልግሉንስ ናብ መኣደይ ኪቐርቡንኣገልግሎተይውን ኪምዘዙ እዮም።

17. ብደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኪኣትዉ ኸለዉ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ኣልባሳት ኪለብሱ እዮም። ኣብ ደጌታት እታ ውሽታዊት ኣጸድን ኣብ ውሽጥን ኬገልግሉ ኸለዉ ገለ ናይ ጸጕሪ ኣይኪኽደኑን እዮም።

18. ኣብ ኣራእሶም ናይ ልህጺ እንጣጢዕ ሻሽ ኪጥምጥሙ፣ ኣብ ሕቝኦምውን ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኺዕጠቑዜርህጽ ነገር ኣይኪዕጠቑን እዮም።

19. ናብ ወጻኢ ኣጸድ፣ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘሎ ህዝቢ ኺወጹ ኸለዉ፣ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ከይቅድስዎስ፣ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ኬውጽእዎ፣ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከኣ ኬንብርዎካልእ ክዳውንቲውን ኪኽደኑ እዮም።

20. ነቲ ጸጕሪ ርእሶምሲ በብሓጺሩ ደኣ ኪቘርጽዎ እዮም እምበር፣ ርእሶም ኣይኪላጽዩን፣ ጸጕሮም ድማ ኣይኬነሑን እዮም።

21. ካህን ዘበለ ዅሉ ናብቲ ውሽጢ ኣጸድ ኪእቱ ከሎ፣ ወይኒ ኣይኪሰትን እዩ።

22. ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝዀነት ድንግል ወይስ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኼእትዉ እዮም እምበር፣ መበለት ወይስ ፍትሕቲ ኣይኬእትዉን እዮም።

23. ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱሳን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ምልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም።

24. ኣብ ምጕት ፈራዶ ዀይኖም ኪቘሙ፣ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከኣ ኪፈርዱ እዮም። ብዅሉ በዓላት ዓመተይ ንሕጋጋተይን ንስርዓተይን ኪሕልዉሰናብተይ ኪቕድሱ እዮም።

25. ከይረኽሱስ፣ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡበቦን ኣደንብወድን ጓልን፣ ብሓውን ብዘይተኣትወት ሓብትን ጥራይ ይርከሱ

26. ድሕሪ ምንጻሁ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይቝጸሩሉ

27. በታ ኣብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣብ መቕደስ ኬግልግል፣ ኣብ መቕደስ ዚኣትወላ መዓልቲ ኸኣ፣ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

28. ርስቲ ይኹኖም፣ ኣነ እየ ርስቶም። ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሀብዎምግዲኦምሲ ኣነ እየ።

29. ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ይብልዕዎእስራኤል ዝሐረምዎ ዘበለውን ንኣታቶም ይኹን።

30. በዅሪ ዅሉ ፍርያትኩምን፣ ኵሉ መባእኩም፣ ዝዀነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን። ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኺሐድራስ፣ በዅሪ ሓሪጭኩም ንኻህን ሀቡ

31. እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይስ ካብ ከብቲ ዝሐለቐን እተሰብረን ኣይብልዑ