1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብ ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ፣ እቲ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልንመልስ እሞ ኣንጻሩ ተነበየሉ

3. በልውንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክ ቱባልን ኣብ ክሳድካ አሎኹ።

4-5. ክመልሰካ፣ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፣ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካኣፍራስን ፈረሰኛታትን፣ ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፣ ኵላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፣ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፣ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ።

6. ጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን ቤት ቶጋርማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፣ ብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ እዮም።

7. ተዳሎ፣ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፣ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን።

8. ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትከትት ኢኻ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት፣ ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተአከበት፣ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ ኣኽራን እስራኤል ክትኣቱ ኢኻ። ካብ ህዝብታት ወጺኣስ፣ ኵላቶም ሀዲኦም ይነብሩላ አለዉ።

9. ንስኻ ኽትድይብ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፣ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዜጐልብባ ደበና ኽትከውን ኢኻ።

10. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኺትንስእ እዩ፣ እኩይ እማመ ኽትአምም ኢኻ፣

11. እሞ፣ ናብታ ዘይተዐርደት ሃገር ክድይብ፣ ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ፣ ዅላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፣ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፣ ክትብል ኢኻ።

12. ክትማርኽን ክትብዝብዝን፣ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዚነብረሉ ዘሎ፣ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፣ ካብ ህዝብታት እተአከበ፣ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ።

13. ሳበን ዴዳን ነጋዶ ተርሲስን እቶም ኰረኵርምርኮ ኽትማርኽዶ መጺእካዘመተ ኽትዘምትብሩርን ወርቅን ክትወስድከብትን ሃብትን ክትሕዝብዙሕ ምርኮ ኸተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮምኪብሉኻ እዮም።

14. ስለዚ፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝበይ እስራኤል ሀዲኡ ምስ ተቐመጠኣይክትፈልጦን ዲኻ፡

15. ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፣ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ኣተቐመጡን ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ።

16. ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፣ ናብ ህዝበይ እስራኤልል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ፣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፣ እቶም ህዝብታት፣ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩኪፈልጡንስ፣ ናብ ሃገረይ ከደይበካ እየ።

17. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣባኦም ክም ጸምጽኣካ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነብያት እስራኤል ገይረ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡

18. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ኪጻረረላ ዚመጸላ መዓልቲ፣ ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ፣ ይብል አሎ።

19. ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል አሎኹ፣ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራአኢል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ኪኸውን እዩ።

20. ሽዑ ዓሳታ ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳ መሮርን ኵሉ ኣብ ምድሮ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኣኽራን ኪግልበጥኣኻውሕ ኪፈርስ፣ ኵሉ መናድቕ ከኣ ኣብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ።

21. ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኸውን እዩ።

22. ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣባኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ጽያፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ።

23. በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምኻነይ ክግሀድ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንስቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።