1. ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፣ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፣ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነበረ።

2. ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝባን ጐልጐል ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ፣ እንሆውን፣ ኣዝዩ ንቑጽ ነበረ።

3. ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን እዩ፧ በለኒ። ኣነ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻ ትፈልጥኢለ መለስኩ

4. ንሱ ኸኣ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ተነበ፣ ኣቱም ንቑጻት ዓጻጽምቲ፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑኢልካውን ንገሮም፣ በለኒ

5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።

6. ጅማውቲውን ኸንብረልኩምስጋ ኽገብረልኩምብቘርበት ክኸድነኩምትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።

7. ከምቲ እተአዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፣ እንሆ ኸኣ፣ ፍኒሕኒሕ ኰነ፣ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበ

8. እንሆ ኸኣ፣ ጅማውትን ስጋን ኪወጾምቈርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ፣ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።

9. ሽዑ ንሱ፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበ፣ ንንፋስ ተነበየሉንንፋስ ከኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣታ ትንፋስ፣ እዞም ህያዋን ህያዋን ኪዀኑስ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብኦም ንፈስይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮ፣ በለኒ

10. ኣነ ኸኣ ኸምቲ ዝአዘዘኒ ተነቤኹትንፋስ ድማ ኣተዎምህያዋን ኰኑ፣ በእጋሮም ከኣ ቘሙኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ።

11. ሽዑ ንሱ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዅላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፣ ንሳቶም፣ ዓጻጽምትና ነቐጸተስፋና ተቐብጻ፣ ንሕና ጠፊእና ኢና፣ ይብል አለዉ።

12. ስለዝ ተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፣ ኣቱም ህዝበይ፣ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፣ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወክም እየ።

13. ኣቱም ህዝበይመቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፣ ካብ መቕባራትኩም ከኣ ምስ ኣውጽእኩኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

14. መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ናብ ሃገርኩም ድማ ከንብረኩም እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር።

15. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

16. ኣታ ወዲ ሰብሓደ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፣ ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብጾቱን፣ ኢልካ ጽሐፈሉ። ድሕሪኡውን ካልእ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፣ ንዮሴፍ ዕጨይቲ ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብጾቱን፣ ኢልካ ጽሐፈሉ።

17. ሓደ ዕጨይቲ ኪኸውንሲ፣ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፣ ኣብ ኢድካ ኸኣ ሓደ ክኸውን እዩ።

18. እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፣ በዝስ እንታይ ከም ዝዀነ ሓሳብካዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ፡ ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ

19. ንስኻ ኸኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ነገድ እስራኤል ብጾቱን ዘሎ ዕጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፣ ኣብቲ ዕጨይቲ ይሁዳ ኸኣ ክድርቦም፣ ኣብ ኢደይ ሓደ ኪዀኑስ፣ ሓደ ዕጨይቲ ኽገብሮም እየ።

20. እቲ ዝጸሐፍካሉ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ኪኸውን እዩ።

21. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፣ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ሃገሮምውን ከእትዎም እየ።

22. ኣብታ ሃገር ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፣ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ፣ ድሕርዚ ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይኪዀኑን፣ ድሕርዚውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን እዮም።

23. ድሕርዚ ደጊም በቲ ጣኦታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ኣበሳኦምን ኣይኪረኽሱን እዮም። ኣነ ኸኣ ካብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዚገብሩሉን ዚነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንስቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።

24. ዳዊት ባርያይ ከኣ ኪነግሶም፣ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኪዀኖም እዩ፣ ብፍርደይ ከኣ ኪመላለሱንሕጋጋተይውን ኪሕልውዎን ኪገብርዎን እዮም።

25. ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሀብክዎኣቦታትኩ ከኣ ዚነበርዋን ሃገር ኪነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን ንዘለኣለም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፣ ዳዊት ባሩያይ ድማ ንዘለኣለም መስፍኖ ኪኸውን እዩ።

26. ኪዳን ሰላም ኪኣትወሎም እየ፣ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ኪዀነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ። መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ከቝሞ እየ።

27. ማሕደረይ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኾም ኪኸውን እየ፣ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።

28. መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ ህዝብታት እቲ ንእስራኤል ዚቕድስሲ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።