1. ኣታ ወዲ ሰብነኽራን እስራኤል ተነበየሎም፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ከኣ በሎም

2. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እቲ ጸላኢኣሰይ፣ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ዀነ፣ ኢሉ ብዛዕባኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፣

3. ስለዚ ተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገር፣ ነቶም ዝተረፉ ህዝብታት ርስቶም ምእንቲ ኽትኰኑስ፣ ንሳቶም ብዅሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ውጢጦምኹምን፣ መዛረብ ልሳንን መሕመዪ ህዝብን ከኣ ኴንኩም ኢኹም እሞ፣

4. ስለዚ፣ ኣቱም ኣኽራን እስራኤልቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑእግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዅድዅዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን ንዝባደመ ዑናታትን ነተን እተሐድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያኤን ዝተረፉ ህዝብታትሲ ንዘመተን ልግጫን ኰይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዚ ይብል አሎ፣

5. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሐጕሶምብነፍሶም ንዒቖምዘመተ ኽትከውንሲ፣ ነታ ሃገረይ እተረስተየዋ ተረፍ ህዝብታትን፣ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ

6. እምብኣርሲ ነኽራንን ንዅድዅዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትንእግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እንሆ፣ ንስኻትኩም ነውሪ ህዝብታት ስለ እተሰከምኩም፣ ኣነ ብቕንኣተይን ብነድረይን ተዛረብኩይብል አሎ ኢልካ ብዘዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ

7. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፣ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት ንሳቶም ነውሮም ኪስከሙ እዮም።

8-9. ግናኸ፣ ኣቱም ኣኽራን እስራኤልእኔኹ ናባኻትኩም ክመጽእ፣ ናባኻትኩምውን ከብል እየ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፣ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ኪጭብጭብፍሬኹም ከኣ ኪፈሪ እዩ።

10. ኣባኻትኩም ንዅላ ብዛላ ቤት እስራኤል ከኣ ሰብ ከብዝሃላ እየ። ከተማታት ኪስፈርዑናታት ድማ ኪስራሕ እዩ።

11. ኣነ ኸኣ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኪባዝሑን ኪፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሓድር ክገብረኩም እየ፣ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለጸ ኸኣ ሰናይ ክገብረልኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም።

12. ንሰብህዝበይ እስራኤል፣ ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ። ኪወርሱካ እዮም፣ ርስቶም ከኣ ክትከውን ኢካ፣ ድሕርዚውን ውሉድ ዜብሎም ኣይክትገብሮምን ኢኻ።

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ሰብ በሊዕኪንህዝብኺ ኸኣ ውሉድ ዜብሉ ጌርክዮ ኢኺ፣ ይብሉኹም አለዉ እሞ፣

14. ስለዚ ድሕርዚ ሰብ ኣይክትበልዕንንህዝብኺውን ውሉድ ዜብሉ ኣይክትገብርዮን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

15. ደጊምሲ ነውሪ ኣህዛብ ኣይክስምዓክን እየ፣ ልግጫ ህዝብታት ኣይክትጾርን፣ ድሕርዚውን ንህዝብኺ ኣይከተዐንቅፍዮምን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

16. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

17. ኣታ ወዲ ሰብቤት እስራኤል ኣብ ሃገሮም ከለዉ፣ ብመገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ። መገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ጽግያት ሰበይቲ ነበረ።

18. ሽዑ ብሰሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝኸዓውዎ ደምን ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዘርከስዋን ኵራይ ከዖኹሎም

19. ኣብ ማእከል ህዝብታት ዘሮኽዎም፣ ኣብ ሃገራት ከኣ ፋሕ በሉ፣ ኣነውን ከም መገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም

20. ብዛዕባኦም ከኣ እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፣ ካብ ሃገሩ ወጺኦምእናተባህለስ፣ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፣ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ

21. ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል ኣብ ዘዝአተውዎም ህዝብታት ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ነሐፍክዎ

22. ስለዚ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንቤት እስራኤል ንገሮም፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እዚ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝአተኽምዎም ህዝቢ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፣ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ።

23. ነቲ ኣብ ህዝብታት ዝረኸሰ፣ ኣብ ማእከሎም ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፣ እቶም ህዝብታት ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

24. ካብ ህዝብታት ከምጽኣኩም፣ ካብ ኵሉ ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም እየ፣ ናብ ሃገርኩምውን ክመልሰኩም እየ።

25. ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርይ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ።

26. ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።

27. ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮብትእዛዛተይ ከመላልሰኩምፍርደይ ከሐልወኩምን ክግብረክምን እየ።

28. ኣብታ ንቦታትኩም ዝሀብኩዋ ሃገር ክትነብሩህዝቢ ኸኣ ክትኰኑኒ ኢኹም፣ ኣነውን ኣምላኽ ክዀነኩም እየ።

29. ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከኣ ከናግፈኩምንእኽሊ ኽጽውዖን ከብዝሖን እየ፣ ድሕርዚውን ጥሜት ኣይከምጽኣልኩምን እየ።

30. ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ጸርፊ ጥሜት ከይትጾሩስ፣ ፈር ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ።

31. ሽዑ ነቲ እኩይ መገድታትኩምን ነቲ ዘይሰናይ ተግባራትኩምን ክትዝክሩ፣ ብሰሪ ኣበሳኹምን ጽያፍኩምን ከኣ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።

32. ኣቱም ቤት እስራኤልሲ፣ እዚ ምእንታኹም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፣ ኣባኻትኩም ይፈልጥብሰሪ መገድታትኩም ሕፈሩን ነውሩንይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

33. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ኣበሳኹም ዘንጽሃላ መዓልቲ፣ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዚነብረን፣ እቲ ዑናታት ከኣ ከም ዚስራሕ ክገብሮ እየ።

34. እታ ዝባደመት ምድሪ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ሓለፍቲ መገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፣ ክትሕፈስ እያ።

35. ሽዑ ኸኣ፣ እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ኰነት፣ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ እተዐርዳን፣ ሰብ ዚነብረለንን ኰና፣ ኪበሀል እዩ።

36. እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕክዎ፣ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ፣ ክገብሮ ድማ ኣየ።

37. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ይብል አሎ፡ ምስናይ እዚ፡ ንቤት እስራኤል እዚ ኽገብረሎምሲ ኽልመነሎም እየ። ነቶም ሰብ ከም መጓሴታት ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ።

38. ከምተን ዝተቐደሳ መጓሰ፣ ከምተን መጓሰ የሩሳሌም ኣብቲ በዓላታ ኸምኡ እተን ዝባደማ ኸተማታት ብመጓሴታት ሰብ ኪመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።