1. ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፣ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጻኒ፣

2. ኣታ ውዲ ሰብገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ። ኣብ ሎሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጽን ከኣ ተነበ

3. ተዛረብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ንገር፡ ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣብ ማእከል ርባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፡ ንስካ፡ እቲ ርባይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎእትብል ዘሎኻ፡ እኔኹ ተለዐልኩኻ።

4. ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብርንዓሳታት ርባታት ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፣ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቡቑ ዘሎ ዓሳ ኸኣ ካብ ማእከል ርባታትካ ኸውጽኣካ እየ።

5. ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ርባታትካን ኣብ በረኽ ኽድርብየካ፣ ኣብ መሮር ክትወድቕ፣ ኣይክትእረን ኣይክትእከብን ኢኻ፣ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ወፌኹኻ

6. እቶም ኣብ ግብጺ ዚነብሩ ዅሎም ንቤት እስራኤልሲ ምርኵስ ሻምብቆ ዀይኖምዎም እዮ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

7. ብኢዶም እንተ ሐዙኻተሰበርካ፣ ንኵሉ መንኵቦም ከኣ ወጋእካ፣ እንተ ተጸጎዑኻ ተሰባበርካ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም።

8. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ሰይፊ ኣብ ሎሌኻ ኸምጽኣልካሰብን እንስሳን ድማ ካባኻ ኸጽንቶም እየ።

9. እቲ ርባ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኸኣ እየ ዝገበርክዎኢሉ እዩ እሞ፣ ሃገር ግብጺ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም።

10. ስለዚ እኔኹ፣ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዐለካ፣ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረካን ክገብራ እየ።

11. እግሪ ሰብ ብእእ ኣይኪሐልፍን፣ እግሪ እንስሳ ብኣእ ኣይኪሐልፍን እዩ፣ ነርብዓ ዓመትውን ዚነብራ የብላን።

12. ንሃገር ግብጺ ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ። ከተማታታ ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ከተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ኪዀና እየን። ንግብጻውያን ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክዘርዎም እየ።

13. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብጻውያን ካብ ማእከል እቶም ተዘርዮምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣካኽቦም እየ።

14. ንምርኮ ግብጺ ክመልሶም፣ ናብታ እተወልዱላ፣ ናብ ሃገር ጳጥሮስ ክመልሶም እየ። ኣብኣውን ለጠቕ ዝበለት መንግስቲ ኪዀኑ እዮም።

15. ካብ ካልኦት መንግስትታት ለጠቕ ክትብል፣ መሊሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣይክትዕበን እያ። መሊሶም ኣብ ህዝብታት ከይገዝኡስከውሕዶም እየ።

16. ድሕርዚ ቤት እስራኤል ብኣታቶም ይኪእመኑን እዮም፣ ናባታቶም ቍሊሕ እንተ በሉ ግና፣ ኣሰባኦም ከዘክርዎም እዮም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

17. ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመት፣ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

18. ኣታ ወዲ ሰብነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎንንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ፡ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣጽዐሮም። ርእሲ ዘበለ ነዂዑ፡ መንኲብ ዘበለ ተመሊጡ፡ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ ዝጸኦአሮ ጻዕሪ ንሱ ወይስ ጭፍራኡ ገለ ደመወዝ እኳ ኣይረኸቡን።

19. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ንነቡካደነጾር ንጉስ ባቢሎን ሃገር ግብጺ ኽህቦ እየ። ንሱ ሃብታ ኺወስድ፣ ዚዝረፍ ኪዝርፍዚዝመት ከኣ ኪዘምት እዩ፣ እዚ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ኪኸውን እዩ።

20. ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፣ ጻማ ጻዕሩ ሃገር ግብጺ ሀብክዎይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

21. በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፣ ንኣካ ድማ ኣብ ማእከሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።