1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ሃገር እስራኤል እዚ ምስላ እዚ፣ ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ ነስናን እቶም ውሉድ ኰኸወኢልኩም እትምስሉ

3. ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እዚ ምስላ እዝስ ድሕርዚ ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም።

4. እንሆ፣ ኵለን ነፍሳት ናተይ እየን፣ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።

5. ጻድቕ ሰብ እንተሎ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ

6. ኣብ ኣኽራን እንተ ዘይበልዔኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ እንተ ዘይበላ፣ ሰበይቲ ብጻዩ እንተ ዝየራኸሰ፣ ኣብ ሰበይቲ ኸኣ ብጻግኒኣ እንተ ዘይቀረበ

7. ንሓደ እኳ እንተ ኣይገፍዔንብዓል ዕዳ ታሕዚ እንተ መለሰሉ፣ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዐመጸ፣ እንጌራኡ ንጥሙት እንተ ሀበንዕሩቕ ከኣ ክዳን እንተ ኸደነ

8. እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠንኢዱ ካብ ኦኣምጻ እንተ ኸልከለ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደ

9. ብሕጋጋተይ እንተ ተመላለሰጽድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሐለወ፣ ንሱ ጻድቕ እዩ፣ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

10. ግናኸ ንሱ ዓማጺከዓው ደም፡ ካብዚ ነገር እዚ ኸኣ ሓደ ግዛዕ ዚገብር ውሉድ እንተ ወለደ

11. እዚ ዅሉ ዘይገብር፣ ኣብ ኣኽራን ዚበልዕሰበይቲ ብጻዩ ዜርክስ

12. ንነዳይ ንድኻን ዚገፍዕ፣ መንዚዑ ዚወስድ፣ ታሕዚ ዘይመልስኣዒንቱ ናብ ጣኦታት ዝቘላሕታኤንፍንፉን ነገር ዚገብር

13. ዜኻዕብትን ዜሕርጥንሲ፣ ንሱዶ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ያእ፣ ንሱ ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፣ ሞት ኪመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሲ ከኸውን እዩ።

14. እንሆ ኸኣ፣ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ፣ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ኵሉ ሓጢኣት ኪርእን ዚፈርህን ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር

15. ኣብ ኣኽራን ዘይበልዕኣዒንቱ ድማ ናብ ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ ዘየብል፣ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ

16. ንሓደ እኳ ዘይገፍዕታሕዚ ዘይሕዝ፣ መንዚዑ ዘይወስድ፣ እንጌራኡ ንጥሙይ ዜብልዕንዕሩቕውን ክዳን ዚኸድን

17. ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዚመልስሓረጣን ካዕበትን ዘይወስድፍርደይ ዚገብርብሕገይ ዚመላለስ፣ ንሱ ብህይወት ኪነብር እዩ እምበር፣ ብሰሪ ኣበሳ ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ።

18. ኣቦኡ ዓመጸኛ ስለ ዝነበረ፣ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድኤ፣ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኸኣ ሰናይ ዘይኰነ ስለ ዝገበረ፣ እንሆ፣ ብኣበሳኡ ኺመውት እዩ።

19. ንስኻትኩምሲ፣ ስለምንታይ እዩ እቲ ወድስ ኣበሳ ኣቦኡ ዘይጸውርትብሉ አሎኹም። እቲ ወዲቅንዕናን ጽድቅን ገይሩ ንዅሉ ሕጋጋተይ ሐልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።

20. እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውትውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲ ኣበሳ ውሉዱ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።

21. ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት እንተ ተመለሰ፣ ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።

22. ካብቲ ዝገሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን፣ በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ኪነብር እዩ።

23. ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ፡ ፍታወይሲ ካብ መገዱ ኺምለስ፣ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

24. እቲ ጻድቕከ ኻብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ እንተ ኣበሳ እሞ ከምቲ ረሲእ ዚገብሮ ዅሉ ፍንፉን ነገር እንተ ገበረስ፣ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ፡ ካብቲ ዝገበሮ ጽድቂ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከርን እያ። በቲ ዝጠለሞ ጥልመት በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ።

25. ንስኻትኩም ግና፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይክኰነን፣ ትብሉ አሎኹም። እምብኣርሲ፣ ኣቱም ቤት እስራኤልስምዑ፣ ካንዶ መገደይ እዩ ዘይቅኑዕዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን፡

26. ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ እሞ፣ እንተ ኣበሳ ብእኡ ኸኣ እንተ ሞተ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ እዩ ዚመውት

27. ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፣ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ኬንብራ እዩ።

28. ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ግህሰቱ ኣስተንቲኑ ስለ እተመልሰ፣ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብርኣይኪመውትን እዩ።

29. ግናኸ ቤት እስራኤልሲመገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩል ይብሉ አለዉ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ክናዶ መገድታተይ እዩ ዘይቅኑዕዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን፡

30. ስለዚ፣ ኣቱም ቤት እስራኤልንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽተመለሱኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፣ ካብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ

31. ነቲ ዝገሀስኩምዎ ግህሰት ካባኹም ደርብዩሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለምንታይ እትሞቱ

32. ኣነስ ሞት ኣደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ፣ ተመለሱ ብህይወት ከኣ ንበሩይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ