1. ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ በለኒውን

2. ኣታ ወዲ ሰብንየሩሳሌም ጽያፋ ኣፍልጣ

3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንየሩሳሌም ከምዚ ይብላ አሎ፣ ኢልካውን በላሱርክን ወለዶኽን ካብ ሃገር ከንኣናውያን እዩ፣ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፣ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ

4. ብናይ ምውላድክስ፣ በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትቢ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፣ ምእንቲ ኽትጸርይስ ብማይ ኣይተሐጸብክንብጨው ኣይተቐባእክን፣ ኣይተጠቕለልክንውን

5. በታ እተወለድክላ መዓልትስ ነፍስኺ ስለ እተናዕቀ፣ ኣብቲ ጋህ ዝበለ መሮር ደኣ ተደርቤኺ። ሓደ ግዛዕ ካብዚ ኺግብረልኪ ኢሉ ራሕሪሑ ብለውሃቱ ቍሊሕ ዝበለኪ ዓይኒ የልቦን።

6. ብኣኺ ሐለፍኩ፣ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕል ክትብሊ ኸሎኺ ኸኣ ርኤኹኺ እሞ፣ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ፣ ብህይወት ንበሪ፣ በልኩኺ። እወ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ ብህይወት ንበሪ፣ በልኩኺ።

7. ከም ብቝሊ ግራሁ ኣኣላፋት ገይረ ኣብዛሕኩኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፣ ዓቤኺ፣ ኣዚኺ ኸኣ መልካዕኪኣጥባት ገበርኪጸጕርኺውን በቘለ፣ ግናኸ ንስኽስ ጥራይክን ዕርቕትን ነበርኪ።

8. ብኣኺ ሐሊፈ ርኤኹኺ፡ እንሆ፡ ኸኣ፡ ጊዜኺ፡ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሔዕርቃንኪ ኸወልኩመሐልኩልኪኺዳን ኣቶኹልኪ፡ ናተይውን ኰንኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

9. ብማይ ሐጸብኩኺ፣ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ

10. ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፣ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺብሃሪውን ከደንኩኺ

11. ብስልማት ሰለምኩኺ፣ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፣ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ።

12. ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፣ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ

13. በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፣ ኵእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪኣዚኺ መልካዕኪ፣ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ።

14. በቲ ኣነ ዝሰለሙክኺ ግርማ እቲ መልክዕኪ ፍጹም ኰይኑ እዩ እሞ፣ ብምኽንያቱ ወሬኺ ኣብ ማእከል ህዝብታት ወጸይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

15. ንስኺ ግና ብመልክዕኪ ተኣመንኪ፣ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፣ ንማንም ሓላፍ መገዲ ንእኡ ኽትኰኒ፣ ምንዝርናኺ ኣቕረብክሉ።

16. ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፣ ውሩዕ በረኽቲ ስፍራ ሰራሕኪ እሞ ኣብኡ ኣመንዘርኪ። ከምዚ ዝበለስ ኣይተገብረን ኣይኪግበርን ከኣ እዩ።

17. እቲ ኣነ ዝሀብኩኺ ጽቡቕ ስልማትኪ ወርቀይን ብሩረይን ኣልዓልኪምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፣ ምሳታቶም ድማ ኣመንዘርኪ

18. ክዳን ወርቀ ዘቦኺ ኣልዒልኪ ከደንክዮምዘይተይን ዕጣነይን ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረብኪ

19. ነቲ ኣነ ዝሀብኩኺ እንጌራይ፣ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዘነበርኩ ዅእኩእ ሓርጭ ስርናይን ዘይትን መዓርን ንመኣዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኦም ቀረብክዮ። እዚ ተገይሩ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

20-21. ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከኣ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፣ ኣልዒልኪ ሰዊእክዮምንደቀይ ሐሪድኪ፣ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፌኽዮምሲ፣ እዚ ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪ እዩ፡

22. ኣብ ኵሉ ጽያፍክን ምንዝርናኽን ከሎኺ፣ ነቲ ጥራይክን ዕርቕትን ኴንኪ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን

23. ድሕሪ ዅሉ ጊዜ ኽፍኣትኪ፣ - ወይለኺ፣ ወይለኺ፣ ይብል አሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ

24. ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ፣ ብዅሉ መተሐላለፍ መገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኪ

25. ኣብ ኵሉ ወሰን መገዲ ክብ ዝበለ ስፍራ ገበርኪንመልክዕኪ ኣፈንፈንክዮ፣ ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርኤኺምንዝርናኺውን ኣብዛሕኪ

26. ምስቶም ስጋኦም ዚገዚፍ ጐረባብትኺ ግብጻውያን ዘሞኺ፣ ኵራይ ንምልዕዓል ከኣ ዝሙትኪ ኣብዛሕኪ

27. ስለዚ እንሆ፣ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኩ፣ ንመግብኺ ኸኣ ኣጕደልክዎንፍቓድ እተን ዝጸልኣኺ፣ በቲ ርኹስ መገድኺ ዚሐፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፌኹኺ

28. ኣይጸገብክን እሞ፣ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ። ምሳታቶም ድማ ዘሞኺኣይጸገብክን ከኣ።

29. ምስናይ እዚ ኸኣ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ኸንኣን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኪ ግናኸ በዚውን ኣይጸገብክን

30-31. ኵሉ እዚ ግብሪ እታ ዘይትሐፍር ኣመንዝራ እትገብሪ ኣብ ኵሉ ወሰን መገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ፣ ኣብ መተሓላለፍ መግዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፣ ዋጋ ስለ ዝነዐቕኪ ኸም ካልኦት ኣመናዝር ኣይነበርክን፣ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ዀን እዩ እቲ ልብኺይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

32. ኣብ ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ዀንኪ።

33. ንዅለን ኣመናዝር ህያባት ይወሀበን፣ ንስኺ ግና ንዅሎም ፈተውትኺ ህያባት ሀብክዮም። ካብ ኵሉ ወገን መጺኦም ምሳኺ ኺዝምዉ ብህያብ ሐባበልክዮም።

34. ንምምንዛር ዚስዕበኪ ዜብልክስ፣ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ግበርኪ። ንስኺ ኣብ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ህያብ ምቕባልሲ፣ ምእንቲ ኽትምንዝሪ ህያብ ሀብኪ፣ ኻልኦት ዘገበራኦ ገበርኪ።

35. ስለዚ፣ ኣቲ ዘማዊትቃል እግዚኣብሄር ስምዒ

36. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኻዕወ፣ ነውርኺ ኸኣ ስለ እተቐልዔ፣ ብሰሪ ዅሎም እቶም ፍንፉናት ጣኦታትክን፣ ብሰሪ እቶም ንኣታቶም ዝወፌኽዮም ደቅኽን

37. ስለዚ እንሆ፣ ንዅሎም እቶም ባህ ዘበሉኺ ፈተውትኽን፣ ንዅሎም እቶም ዝፈቶኽዮምን ንዅሎም እቶም ዝጸላእክዮምን ክእክቦም እየ። ካብ ኵሉ ወገን ንምጽራርኪ ኽእክቦም እየ፣ ኵሉ ዕርቃንኪ ምእንቲ ኺርእዩ፣ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኦም ክቐልዖ እየ።

38. ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ፣ ናይ ነድርን ናይ ቅንኣትን ደም ከውርደልኪ እየ።

39. ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኼፍርሱ፣ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኪፍንጥሱክዳውንትኺ ኺገፉ፣ ጽቡቕ ስልማትኪ ኪቕንጥጡጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም።

40. ብዙሕ ሰብ ናባኺ ኼውጽኡ እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኺ፣ ብስይፎም ድማ ኪቘራርጹኺ እዮም።

41. ነባይትኺ ብሓዊ ኼንድዱ፣ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ኪፈርዱኺ እዮም፣ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፣ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይክትህብን ኢኺ።

42. በዚ ኸምዚ ሃና ነድረይ ክወጸልኪ፣ ቅንኣተይ ከኣ ኪርሕቀልኪ እዩ፣ ክሀድእ ብድሕርዚውን ኣይክዅርን እየ።

43. ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን፣ ብዅሉ ጊዜ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣዀሪኽኒ ኢኺ እሞ፣ እንሆ፣ ኣነውን፣ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ጽያፍኪ እዚ ነውሪ እዚ ኸይትውስኽስ፣ መገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

44. እንሆ፣ እቶም ዚምስሉ ኵላቶም፣ ከምታ ኣደ ኸምኡውን እታ ጓላኢሎም ብኣኺ ኺምስሉ እዮም።

45. ንስኺ ጓል እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝጸልኤት ኣዴኺ ኢኺ። ንስኺ ሓብቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝጸልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። ኣዴኺ ሔታዊትኣቦኺ ኸኣ ኣሞራዊ ነበሩ።

46. እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ጸጋምኪ ዘላ ኦኣባይ ሓብትኺ ሰማርያ እያ፣ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽቶ ሓብትኺ ኸኣ ሶዶም እያ።

47. ንስኺ ግና ብመገደን ኣይከድክን፣ ከምቲ ፍንፉን ነገረን ከኣ ኣይገበርክን። እዚ ቐሊሉክስ፣ ብዅሉ መገድኺ ደኣ ኻብኤን ገደድኪ።

48. ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽሶዶም ሓብትኺ ንሳን ኣዋልዳን፣ ከምቲ ንስኽን ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን

49. እንሆ፣ እቲ ኣበሳ ሶዶም ሓብትኺ እዚ ነበረ፣ ትዕቢትን ጽጋብ እንጌራን ትህኪትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልዳን ነበረ፣ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን

50. ዕቡያት ነበራ፣ ኣብ ቅድመይ ከኣ ፍንፉን ነገር ገበራ፣ እዚ ምስ ርኤኹ ድማ ኣጥፋእክወን

51. ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ጽያፍኪ ኻብኤን ኣብዛሕኪ፣ ብኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ጽያፍኪውን ነሓትኪ ኣጽደቕክየን

52. ንስኺ ኸኣ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሰካሚ። በቲ ኻብኤን ዚረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ ንሳተን ካባኺ ይጸድቃነሓትኪ ኣጽዲቕክየን ኢኺ እሞ፣ ሕፈሪ ነውርኺውን ጹሪ

53-54. ነውርኺ ኽትጾሪ፣ በቲ ዝገበርክዮ ዅሉ ኸኣ ክትሐፍሪ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ከተጸናንዕየንሲምርኮኤንምርኮ ሶዶምን ኣዋልዳንምርኮ ሰማርያን ኣዋልዳን፣ ምርኮ እቶም ኣብ ማእከለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ።

55. ኣሓትኪ ሶዶምን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ኪምለሳ እየን፣ ሰማርያን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ኪምለሳ እየን፣ ንስኽን ኣዋልድክን ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋትክን ክትምለሳ ኢኽን።

56-57. ከምቲ በዋልድ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎምን፣ በተን ኣብ ኵሉ ወገን ዜነውራኺ ዝነበራ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያንን እተጸረፍክሉ ጊዜክፍኣትኪ ኸይተቐልዔ ኸሎ፣ በቲ መዓልቲ ዅርዓትኪ እታ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተረቝሔትን

58-59. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዐቕኪ ኢኺ፣ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፣ ይብል አሎ እሞ፣ ምንዝርናኽን ጽያፍክን ትጾሪ ኣሎኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር

60. ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኽዎ ኺዳን ክዝክሮ እየ፣ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ከጽንዓልኪ እየ።

61. ነሓትኪ፣ ነተን ካባኺ ዚዐብያን ዚንእሳን ኣሓትኪክትቅበልየን ከሎኺ፣ ብኺዳንኪ ዘይኰነስ፣ ኣዋልድኪ ኪዀና ኽህበኪ ኸሎኹ፣ ሽዑ መገድኺ ኽትዝክርን ክትሐፍርን ኢኺ።

62-63. ኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ፣ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሓንኪ፣ ካብ ሕንኪ እተላዕለ ኣፍኪ ኸቶ ኸይትኸፍትስኪዳነይ ኼጽንዓልኪ እየ፣ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምኳነይ ክትፈልጢ ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ