1. መንፈስ ኣልዐለኒ ናብቲ ወገን ምብራቕ፣ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዚርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ደገ ኣፍ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ነበሩ፣ ኣብ ማእከሎም ድማ ነቶም መሳፍንቲ ህዝቢ ያኣዛንያ ወዲ ዓዙርን ፈላጥያ ወዲ በናያን ርኤኽዎም

2. በነሊ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዚጠልፉእኩይ ዚመኽሩ ሰባት እዮም።

3. ንሳቶም ድማ፣ ኣይቀረበንኣባይቲ ንስራሕ፣ ንሳ ድስቲ እያ፣ ንሕና ኸኣ ስጋ ኢና፣ ይብሉ አለዉ።

4. ስለዚ ኣንጻሮም ተነበየሎም፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበ፣ በለኒ።

5-6. መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ አሎኹም፣ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ቀተልኩምነደባባያታ ኸኣ ብቕቱላት መላእኩማይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ በለኒ

7. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እቶም ኣብ ማእከላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፣ ንሳቶም ስጋ እዮም፣ ንሳ ኸኣ ድስቲ እያ፣ ንስኻትኩም ግና ካብ ማእከላ ኽትወጹ ኢኹም።

8. ሰይፊ ፈራህኩምሰይፊ ድማ ከምጽኣልኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

9. ካብ ማእከላ ኸውጽኣኩም፣ ናብ ኢድ ጓኖት ከኣ ከሕልፈኩምፍርዲውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ።

10. ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፣ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፣ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

11. እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይክትኰነልኩምን፣ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ማእከላ ስጋ ኣይትኰኑን ኢኹም፣ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ።

12. ንስኻትኩምሲ ፍርዲ ኣቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፣ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምንፍርደይ ከኣ ኣይገበርኩምን እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

13. ኰነ ኸኣ፣ ኣነ ኽንበ ኸሎኹ፣ ፈላጥያ ወዲ በናያ ሞተ። ሽዑ ብግምባረይ ተደፊኤ ዓው ኢለ፣ ኣየ፣ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነቶም ትርፎፍያ እስራኤልዶ ብጥራስ ከተጥፍኦም ኢኻ፡ ኢለ ጨራሕኩ

14. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መጸ፣

15. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ እዮም ነሕዋትካ፣ እወ ነሕውትካ፣ ነቶም ኣዝማድካን ንቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎምን፣ ካብ እግዚኣብሄር ርሐቑ፣ እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ፣ ዝብልዎም

16. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ናብ ማእከል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሐቕኩዎም፣ ኣብ ማእከል ሃገራትውን እንተ ዘሮኹዎም፣ ኣብቲ ዘዚመጽዎ ሃገራት ንቕሩብ ጊዜ መቕደስ ክዀኖም እየ፣ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም

17. ስለዚ ድማ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፣ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩምሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ፣ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም

18. ናብኣ ኸኣ ኪመጹ እዮም፣ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ዜስገድግድ ነገራን ኵሉ ጽያፍን ድማ ካብኣ ኼርሕቕዎ እዮም።

19-20. ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኺመላለሱንፍርደይ ከኣ ኺሕልዉን ኪገብርዎንሓደ ልቢኽህቦምሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።

21. ግናኸ እቶ፣ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፉናት ነገሮምን ጽያፎምን ዚስዕብሲመገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

22. ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዐሉ፣ እቲ መንኰራዅር ከኣ ጐጐብኦም ነበረ፣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣብ ላዕሊ፣ ኣብ ላዕሊኦም ነበረ።

23. ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል እታ ኸተማ ተላዕለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ ኸረን ቈመ

24. መንፈስ ድማ ኣልዐለኒ፣ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፣ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ። እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ካብ ቅድመይ ህልም በለ።

25. ኣነ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ዅሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም