1. ሽዑ ጠመትኩ፣ እንሆ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለዎም ጠፈር፣ ከም እምኒ ሰፊሮስትርኢት ዝፋን ዚመስል ኣብ ሎሊኦም ተገልጸ

2. ንሱ ኸኣ ነቲ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተከድነ ሰብኣይ፣ ኣብ መንጎ እቲ መንኰራዅር ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፣ ካብቲ ኣብ ማእከል ኩሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፈሓም ድማ በእዳውካ ሐፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ንዝሐዮኢሉ ተዛረበ። ንሱውን እናርኤኽዎ ኣተወ

3. እቲ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ፣ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ደበባ ኸኣ ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ መልኦ።

4. ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዕለ ናብ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። እታ ቤት ድማ ብደበና መልኤት፣ እቲ ኣጸድውን ብባና ኽብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ።

5. ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ፣ ከም ድምጺ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ዀይኑ፣ ክሳዕ እቲ ግዳማዊ ኣጸድ ተሰምዔ

6. ኰነ ኸኣ፣ ነቲ ካብ ልሕጺ እንጣቲዕ እተገብረ ኦኣለባ እተኸድነ ሰብኣይ፣ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፣ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድኢሉ ምስ ኣዘዞ፣ ንሱ ኣተወ ኣብ ጥቓ መንኰራዅር ድማ ቘመ

7. እቲ ኪሩብ ድማ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፣ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢኦ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ድማ ኣንበሮ። ንሱውን ተቐቢልዎ ወጸ

8. ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ ኢድ ሰብ ዚመስል ተራእየ

9. ጠመትኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር ሐሓንቲ መንኰርኰር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ። ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም ሕብሪ እምኒ ክሪሶሊት ነበረ።

10. ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከኣ ይመሳሰል ነበረ፣ እቲ ሓደ መንኰርክር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዝአተወ ይመስል ነበረ።

11. ኪኸዱ ኸልዉ ድማ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፣ ምስ ዚኸዱ ኸኣ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘበሎ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፡ ኪኸዱ ኸለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ።

12. ኵሉ ስጋኦምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዅርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዅሮምን ብዅሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መለእዎም ነበረ፣

13. ነቲ መንኰራዅር ከኣ፣ ኣነ እናሰማዕኩኣንኰርኰርቲ ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ።

14. ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፣ እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፣ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ ገጽ ኣንበሳ፣ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ እዩ።

15. እቶም ኪሩቤል ከኣ ተላዕሉ፣ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎም እንስሳ እዮም።

16. እቶም ኪሩቤል ኪኸዱ ኸለዉ፣ እቲ መንኰራዅር ድማ ጐጐብኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ ኺለኦአሉስ ኣኽናፎም እንተ ዘርግሑ፣ እቲ መንኰራዅርውን ካብ ጥቓኦም ኣየግልስን ነበረ።

17. መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኦም ስለ ዝነበረ፣ እቲኣቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፣ እዚ ድማ ደው ይብል ነበረ፣ እቲኣቶም ኪለዐሉ ኸለዉ፣ እዚውን ይለኦአል ነበረ።

18. ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወጸ፣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከኣ ቘመ

19. እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑኪነቕሉ ኸለዉ ኸኣ፣ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኦም ኰይኑ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተላዕሉ፣ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቘሙክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።

20. እዚኦም ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለሌኽዎም

21. ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽንነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣክናፎም ከኣ ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም።

22. መልክዕ ገጾም ከምቲ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ገጽ ነበረ፣ ትርኢቶም ከምኡ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ትኽ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።