1. እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል

2. ኣብ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ደው በል እሞ ኣብኡ ዄንካ እዚ ቓል እዚ ስበኽ በልውን፡ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትአትው ሰብ ይሁዳ ዂላትኩም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ

3. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ኣጸብቑ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸንብረኩም እየ።

4. መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ኢልኩም ኣብ ቃላት ሓሶት ኣይትወከሉ

5. መገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣጸበቕኩም፡ ኣብ መንጎ ሓድሕድኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፡

6. ንጓናን ዘኽታምን መበለትን እንተ ዘየጨነቕኩም፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሰስኩምደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ንጒድኣትኩም እንተ ዘይሰዐብኩምሲ

7. ሽዑ ኣነ ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለም ኣለም ዝሀብክዋ ምድሪ፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።

8. እንሆ፡ ንስኻትኩም ኣብ ዘይጠቅም ቃላት ሓሶት ትውከሉ አሎኹም።

9. ኣየ፡ ንስኻትኩም ትሰርቁትቐትሉትዝምውብሓሶት ትምሕሉንበዓል ትዐጥኑንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትስዕቡ

10. ናብዚ መጺእኩም ከኣ፡ ኣብዛ ብስመይ እተሰምየት ቤት ኣብ ቅድመይ ቌምኩም፡ ኲሉ እዚ ፍንፋን ግብሪ እዚ ምእንቲ ኽትገብሩድሑናት ኢና፡ ትብሉ አሎኹም።

11. እዛ ብስመይ እተሰምየት ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰነት፧ እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

12. እምበኣርሲ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፡ ናብ ሲሎኪዱ እሞ ብሰሪ እከይ ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ

13. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ሕጂ ኸኣ እዚ ዂሉ ግብርታት እዚ ጌርኩምስኣንጊሄ ተንሲኡ ነጊርኩምተዛሪብኩም ኣይሰማዕኩምንእናጸዋዕኩኹም ድማ ኣይመለስኩምን ኢኹም እሞ፡

14. ስለዚ ኸኣ ነዛ ብስመይ እተሰምየት፡ ንስኻትኩምውን እትውከልዋ ዘሎኹም ቤት፡ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ስፍራ፡ ከምቲ ኣብ ሲሎ ዝገበርክዎ ኽገብራ እየ፡

15. ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፡ ንዂሎም ዘርኢ ኤፍሬምዝደርቤኽዎም፡ ካብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

16. እምበኣርሲ ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምንኣይትማህለልኣይትጸሊ፡ ላሕውን ኣይተብለኒ።

17. ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዚገብርዎ ዘለውዶ ኣይትርእን ኢኻ፧

18. ንኣይ ምእንቲ ኼጒህዩስደቂ ኣዕጫው ይእክቡኣቦታት ሓዊ ይኣጒዱኣንስቲ ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ዚኸውን ቅጫ ኺስንክታ ብሑቚ የቘምጥዓመስዋእቲ መስተውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍያ

19. ንኣይዶ እዮም ዜጒህዩ ዘለዉ፧ ንውርደት ርእሶምዶ ግዳ ኣይኰኑን ዚብድሉ ዘለዉ፧ ይብል እግዚኣብሄር

20. ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ቊጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኣብ ሰብን እንስሳን ኣብ ኣእዋም መሮርን ኣብ ፍረ ምድርን ክዂዑ እየ፡ ኪነድድ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

21. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ኣብቲ መስዋእቲ ሕሩድኩም ወስኹ እሞ እቲ ስጋ ብልዑ

22. በታ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ብናይ ዚሐርር መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምን ድማ።

23. ዝኣዘዝክዎምሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን፡ በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዂሉ መገድታት ተመላለሱ

24. ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንንኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን።

25. ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወሉላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዂላቶም ግዙኣተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣብ ጸጽባሕ ኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም።

26. ግናኸ ክሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንንኣእዛኖም ከኣ ኣባይ ጽን ኣይበላን፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገበሩ።

27. እዚ ዂሉ እኳ እንተ ነገርካዮምኣይኪሰምዑኻን እዮም፡ እንተ ጸዋዕካዮምውንኣይኪመልሱልካን እዮም፡

28. እምበኣርስኸ፡ እቲ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዘይሰምዕተግሳጽ ከኣ ዘይቕበል ህዝቢ እዚ እዩ። ሓቂ ጠፍኤ፡ ካብ ኣፎምውን ኣቋረጸክትብሎም ኢኻ።

29. እግዚኣብሄር ነቲ ዘቘጥዖ ወለዶ ደርብይዎን ወጊድውን እዩ እሞ፡ ጸጒሪ ርእስኺ ቘሪጽኪ ደርብዪ፡ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪ ድማ ዋይዋይ በሊ

30. ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፡ ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክስዋጽያፎም ኣብኣ ኣቐመጡ

31. ኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱበረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

32. ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌት ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየላን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ሽዑ ኻልእ ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ፡ ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም።

33. ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ እያዕ ዚብሎም ድማ የልቦን።

34. እታ ሃገር እቲኣ ክትባድም እያ እሞ፡ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ከጥፍእ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።