1. ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ እታ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኤን ካብ ኣፍ ኤርምያስ ኣብ መጽሓፍ ኪጽሕፈን ከሎ፡ እተዛረቦ ቓል ከምዚ እትብል እያ፡

2. ኣታ ባሩኽእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል አሎ፡

3. ንስኻስ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ፡ ወይለይብብኽያተይ ደኸምኩዕረፍቲውን ሰኣንኩትብል አሎኻ

4. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎበሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ዝሰራሕክዎ ኤፍርሶነቲ ዝተኸልክዎ ኸኣ እምንቊሶ አሎኹ፡ እዚውን ኣብ ኲላ እታ ሃገር ክገብሮ እየ።

5. ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻኣይትድለዮ። እንሆ፡ መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዂሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዂሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር