1. ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ እታ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኤን ካብ ኣፍ ኤርምያስ ኣብ መጽሓፍ ኪጽሕፈን ከሎ፡ እተዛረቦ ቓል ከምዚ እትብል እያ፡
2. ኣታ ባሩኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል አሎ፡
3. ንስኻስ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ፡ ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ፡ ዕረፍቲውን ሰኣንኩ፡ ትብል አሎኻ።
4. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ዝሰራሕክዎ ኤፍርሶ፡ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸኣ እምንቊሶ አሎኹ፡ እዚውን ኣብ ኲላ እታ ሃገር ክገብሮ እየ።
5. ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ። እንሆ፡ መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዂሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዂሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...