1. እግዚኣብሄር ከኣ በለኒሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶም። ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም እሞ ይጸርገፉ

2. ናበይ ክንከይድ ኢና፧ እንተ በሉኻ ኸኣ፡ ንሞት እተመደበ ናብ ሞት፡ ንሰይፊ እተመደበ ናብ ሰይፊ፡ ንጥሜት እተመደበ ናብ ጥሜት፡ ንምርኮ እተመደበ ናብ ምርኮ ይኸይድ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም

3. ኣነ ኣርባዕተ ዓይነትሰይፊ ንምቕታሎምኣኽላባት ንምጒታቶምኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከኣ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን ከውርደሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

4. ብሰሪ ምናሴወዲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰሪ እቲ ንሱ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡ ኣብ ኲሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ።

5. ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ይድንግጸልኪ፧ መንከ እዩ ዚበኽየልኪ፧ ብናይ ሰላምኪ ኺጥይቕ ዚሀልከልክስ መን እዩ፧

6. ኣቢኺኒንድሕሪት ተመለስኪይብል እግዚኣብሄር፡ ስለዚ ብምምሓርኪ ደኺመ ኢደይ ኣባኺ እዝርግሕ ኤጥፍኣኪውን አሎኹ።

7. ኣብ ደጌታት እታ ሃገር ብመስኤ መስኤኽዎምንህዝበይ ውሉድ ከሊኤ ኣጥፋእክዎ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣይተመልሱን

8. መበላሉኦም ካብ ሑጻ ባሕሪ በዝሓኒ፡ ኣብ ኣደ እቶም ኣጒባዝ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምጻእኩብድንገት ጓህን ረዓድን ኣውደቕኩላ

9. ሾብዓተ ዝወለደት ተሐሊላ ትንፋሳ ትወጽእ፡ ገና መዓልቲ ኸላ ጸሓያ ትዐርባትሐፍርን ትሐንኽን ኣለ። ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

10. ኣቲ ኣደይንዂሉ ሃገር ሰብኣይ ቈዮቛን ሰብኣይ ክትዕን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺ እሞ፡ ወይለይዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ ዂላቶም ይረግሙኒ ኣለው።

11. እግዚኣብሄርብሓቂ ንደሓን ክሕልወኻ፡ እቲ ጸላኢ ድማ ብጊዜ ጭንቀትን ብጊዜ ጸበባን ከም ዚልምነካ ኽገብር እየ፡ ይብል አሎ።

12. ሓጺን፡ እቲ ኻብ ሰሜን ዝወጸ ሓጺንን ንሃስንዶ ይስበር እዩ፧

13. ሃብትኻን መዛግብትኻን ብሰሪ ዂሉ ሓጢኣትካ ኣብ ኲሉ ዶብካ ንዘመተ ብኸምኡ ኽምጥዎ እየ።

14. ካብ ቊጥዓይ እተላዕለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ነዲዱ በግ ኪብል እዩ እሞ፡ ምስ ጸላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ።

15. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ትፈልጥዘክረኒ ብጽሓኒ ኸኣ፡ ንሰጐጒተይ ድማ ሕነ ፍደየለይ። ስለ ምሕረትካ ኢልካ ኣይትውሰደኒ። ስሌኻ ኢለ ጸርፊ ኸም እተዐገስኩ ፍለጥ

16. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊትቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።

17. ኣብ ባይቶ መላገጽቲ ኣይተቐመትኩን ባህውን ኣይበለንን፡ ብዂራ መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡ ብምኽንያት ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ

18. ስለምንታይ ከየቛረጽኩ እቕንዞ፡ ስለምንታይከ ቚስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ ለገመ፧ ከም ጠባሪ ዓይኒ ማይ፡ ከምቲ ንጻፊ ማይዶ ኽትኰነኒ ኢኻ፧

19. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንተ ተመለስካስክመልሰካ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ኽቡር ካብቲ ሕሱር እንተ ፈሌኻዮ፡ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ይመለሱኻ እምበር፡ ንስኻስ ኣይትመለሶም

20. ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ጽኑዕ ቀጽሪ ነሃሲ ኽገብረካ እየ። ንሳቶም ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም።

21. ካብ ኢድ እኩያት ከናግፈካ፡ ካብ ኢድ ሓያላት ከኣ ክብጀወካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።