1. ብሁልዶ ኣይኰነን፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኣብ ካልእ ሰብኣይ እንተ ተኣቶት፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ፧ እቲ ምድሪዶ ኣዝዩ ኣይረክስን፧ ንስኺውን ምስ ብዙሓት ፈተውቲ ኣመንዚርክስ፡ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ፧ ይብል እግዚኣብሄር

2. ኣዒንትኺ ቛሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ኲርባታት ጠምቲዘይደቀስክሉ ኣበይ አሎ፧ ከምቲ ወዲ ዓረብ ኣብ ጸምጸም በረኻ ዜድቢኣብ መገዲ ተቐሚጥኪ ትጽበይዮም ነበርኪ፡ ብምንዝርናኽን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ

3. ብሰሪ እዚ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለዝናም ጽብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገጽ ኣመንዝራ ስለ ዘሎኪ ምሕፋር ኣቤኺ

4. ሕጂኸ፡ ኣቦይንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ፡ ኢልኪዶ ትጽውዕኒ ኣየሎኽን፧

5. ንሓዋሩዶ ኪቚጣዕ እዩ፧ ክሳዕ መወዳእታዶኸ ኺጽመም እዩ፧ እንሆ፡ ከምዚ ኢልኪ ትዛረቢ፡ ግናኸ ክሳዕ ዚከኣለኪ ኽፋእ ትገብሪ ኣሎኺ።

6. እግዚኣብሄር ብዘመን ንጉስ ዮስያስ ከምዚ በለኒ፡ እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻኣብ ነነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ዘዝለምዔ ኣእዋምን ከይዳ ኣብኡ ኣመንዘረት

7. እዚ ዂሉ ምስ ገበረት ከኣ ናባይ ክትምለስ እያ፡ በልኩ፡ ግናኸ ኣይተመልሰትን። እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸኣ ነዚ ረአየት

8. ነዛ ኸዳዕ እስራኤል እኳ ብምኽንያት ኲሉ ዝሙታ ፈቲሔያጽሕፈት መፍትሒኣውን ሂበያ ኸሎኹስ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸም ዘይሰክሔት፡ ኤረ ኸይዳ ኸም ዘመንዘረት ርኤኹ

9. ኰነ ድማ፡ ብቕለት ምንዝርንኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፡ ምስ እምንን ዕጨይትን ከኣ ዘመወት

10. ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ብግብዝና እምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትንይብል እግዚኣብሄር

11. እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ እታ ኸዳዕ እስራኤል ትጸድቕበለኒ

12. ኪድ እሞ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ነዘን ቃላት እዚኤን ኣውጅ በልውን፡ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ኣነ መሓሪቊጥዓ ንዘለኣለም ዘይዐቊር፡ ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ፡ ተመለሲይብል እግዚኣብሄር

13. እምበኣርስኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋም ኣብቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኣብዝን ኣብትን ጸፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፡ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኩምኣበሳኺ ተኣመኒይብል እግዚኣብሄር።

14-15. ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱይብል እግዚኣብሄር

16. በቲ ዘመን እቲ ምስ በዛሕኩምን ኣብቲ ምድሪ ምስ ተፋፌኹምን፡ ብናይ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይኪዛረቡን፡ ኣይኪሐስብዋን ኣይኪዝክርዋን ድማ እዮም፡ ኣይከተድልዮምን እያ፡ ከም ብሓድሽውን ኣይኪገብርዋን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

17. ሽዑ የሩሳሌም ዝፋን እግዚኣብሄር ክትበሀል እያ፡ ኲላቶም ኣህዛብ ከኣ ብስም እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ኪእከቡ፡ ድሕርዚ ኸኣ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይኪመላለሱን እዮም።

18. በተን ወርሓት እቲኤን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ኪኸዱሐቢሮም ድማ ካብ ሃገር ሰሜን ናብታ ነቦታትኩም ኪርስተይዋ ዝሀብክዎም ምድሪ ኺመጹ እዮም።

19. ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ ኻብ ኲሉ ዚበልጽ ጥዑም ምድሪርስቲ ኣህዛብ ክህበኪ እየ፡ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ፡ ኣቦየ፡ ኢልኪ ኽትጽውዕኒካባይ ድማ ኣይክትርሕቅን ኢኺ፡ ኢለውን ነበርኩ

20. ግናኸ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒይብል እግዚኣብሄር

21. መገዶም ስለ ዘበላሸውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑንድምጺ ኣብ ኲርባታት ተሰምዔ፡ ንሱውን ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል እዩ።

22. - ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ካብ ጥልመትኩም ከሕውየኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ። - ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻ እሞ እኔና፡ ናባኻ ንመጽእ አሎና።

23. ብሓቂ ኻብ ኲርባታት ረዲኤት ምጽባይና ኸንቱ እዩ፡ ኣኽራንሲ ጥቕሚ ዜብሉ ደሃይ ደኣ ሀቡና። ብሓቂ ምድሓን እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዚርከብ።

24. ሓፍረት ጣኦታት ግና ንፍረ ጻዕሪ ኣቦታትናነባጊዖምን ንኣሓኦምን ነወዳቶምን ነዋልዶምን፡ ካብ ንእስነትና ጀሚሩ በልዖ

25. እምበኣርሲ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምስማዕ ስለ ዝኣቤና፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፡ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንበልነውርና ኸኣ የጐልብበና