1. ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ኸምዚ ዚብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር መጸ፡

2. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ ንዂለን እተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰግዳ ዚመጻ ኸተማታት ይሁዳ እዚ ኣነ ኽትነግረን ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዂሉ ቓላትሓንቲ ቓል እኳ ኸየጒደልካ ንገረን።

3. ምናልባሽ እንተ ሰምዑነፍሲ ወከፎም ከኣ ካብ እኩይ መንገዶም እንተ ተመልሱ፡ ኣነውን እቲ ብሰሪ እኩይ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝአመምክዎ መዓት ክጥዐሰሉ እየ።

4. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ኸኣ ንገሮም፡ በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተዘይሰማዕኩምኒ

5. ንቓላት እቶም ክትሰምዑ ኢለ ናባኻትኩም ዝልእኮም ዘሎኹ፡ ኣንገንጊሄ ዝለኣኽኩልኩም ግዙኣተይ ነብያት፡ ንስኻትኩምሲ ኣይሰማዕኩምን

6. ኣነ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሲሎ ኽገብራ እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዂላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።

7. ካህናትን ነብያትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ኤርምያስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እዘን ቃላት እዚኤን ኪዛረብ ከሎ ሰምዑ።

8-9. ኰነ ኸኣ፡ ኤርምያስ እቲ እግዚኣብሄር ንዂሉ ህዝቢ ኺነግሮ ኢሉ ዝአዘዞ ዂሉ ተዛሪቡ ምስ ወድኤካህናትን ነብያትን ኲሉ እቲ ህዝብን፡ ስለምንታይ እዛ ቤት እዚኣ ኸም ሲሎ ኽትከውን እያ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዚነብረላ ዜብላ ዀይና ኽትዖኑ እያ፡ ኢልካ ብስም እግዚኣብሄር እተነቤኻ፡ ኢሎም፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ እናበሉ ሐዝዎ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኤርምያስ ዐጐጐ

10. እቶም መሳፍንቲ ይሁዳ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ ቤት ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፡ ኣብ ኣፍ እታ ሓዳስ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ተቐመጡ

11. እቶም ካህናትን ነብያትን ድማ ነቶም መሳፍንትን ንዂሉ እቲ ህዝብን፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ነዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምቲ በእዛንኩ ዝሰማዕኩዎተነብዩላ እዩ እሞ፡ ሞት ይግብኦኢሎም ተዛረብዎም

12. ኤርምያስ ድማ ንዂሎም መሳፍንትን ንዂሉ እቲ ህዝብን፡ እቲ ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣን ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣን ዝሰማዕኩምዎ ዂሉ ቃላትሲእግዚኣብሄር እዩ ኽንበዮ ዝለአኸኒኢሉ ተዛረቦም

13. እምበኣርሲ ኣኻይዳኹምን ግብርኹምን ኣሕሹድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ኣባኻትኩም እተዛረቦ መዓት ኪጥዐሰሉ እዩ።

14. ኣነስ እኔኹ ኣብ ኣእዳውኩም እየ፡ ጽቡቕን ቅኑዕን ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩኒ

15. ብሓቂ እግዚኣብሄር እዩ ዂለን እዘን ቃላት እዚኤን ኣብ ኣእዛንኩም ክነግረን ለኣኸኒ እሞ፡ እንተ ቐተልኩምኒንጹህ ደም ኣብ ርእስኹምን ኣብዛ ኸተማ እዚኣን ኣብቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም እተውርዱ ኣርጊጽኩም ፍለጡ።

16. ሽዑ እቶም መሳፍንትን ኲሉ እቲ ህዝብን ነቶም ካህናትን ነብያትን፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እተዛረበና እሞ፡ ሞት ኣይግብኦን እዩ፡ በልዎም

17. ካብቶም ሽማግሌታት እታ ሃገር ከኣ ተንሲኦም ንዂሉ እቲ ኣኼባ ህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ተዛረብዎ

18. ሚካ ሞራሽታይ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳጽዮን ከም ግራት ክትሕረስየሩሳሌም ኲምራ እምኒ ኽትከውን፡ እቲ ደብሪ መቕደስ ከኣ ኲርባ ዱር ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኢሉ ተነብዩ ንዂሉ ህዝቢ ይሁዳ ነገሮ

19. ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኲሎም ይሁዳንዶ ኣቕቲሎምዎ እዮም፡ ንእግዚኣብሄር ፈሪሁዶ ኣይኰነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ፡ እግዚኣብሄርሲ እቲ ጠሊቑሎም ዝነበረ መዓትዶ ኣይተጣዕሰሉን፡ ንሕና ኸኣ ከምኡ ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና

20. ሓደ ብስም እግዚኣብሄር እተነበየ ሰብኣይኡርያወዲ ሸማዕያ ብዓል ቂርያት-የሪዓም፡ ነበረ። ንሱ ኸኣ ከም ኲለን ቃላት ኤርምያስ ገይሩ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዛ ሃገር እዚኣን ተነበየለን

21. ንጉስ ዮኣቂምን ኲሎም ጀጋኑኡ ኲሎም መሳፍንቱን ቃላቱ ምስ ሰምዑ፡ እቲ ንጉስ ኪቐትሎ ደለየኡርያ ምስ ሰምዖ ግና፡ ፈርሄሀዲሙ ኸኣ ናብ ግብጺ ኸደ

22. ሽዑ ንጉስ ዮኣቂም ናብ ግብጺ ሰባት ለኣኾንኤልናታን ወዲ ኣክቦር፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ሰባት ገይሩ ናብ ግብጺ ለአኾ።

23. ንሳቶም ድማ ንኡርያ ኻብ ግብጺ ኣውጽእዎ፡ ናብ ንጉስ ዮኣቂም ከኣ ኣምጽእዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ወቕዖሬሳኡውን ኣብቲ መቓብር ማንም ህዝቢ ደርበዮ

24. ንኤርምያስ ኪቐትልዎ ኢሎም ኣብ ኢድ እቲ ህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎ ግና፡ ኢድ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ምስኡ ነበረት።