1. ኣቱም ደቂ ብንያምመዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይቐርብ አሎ እሞ፡ ካብ ማእከል የሩሳሌም ህደሙ፡ ኣብ ትቆኣ መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ርእሲ ቤት-ሃኬሬም ምልክት ትኸሉ

2. ነዛ ስብቅልን ሕንቅቕትን ጓል ጽዮን ከጥፍኣ እየ።

3. ጓሶት ምስ መጓሴታቶም ኣብኣ ይወፍሩድንኳናቶም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፡ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ይጓስዩ ኣለው።

4. ክትዋግእዋ ተዐጠቑተንስኡቀትሪ ኸሎ ንውጻእምድሪ መስዩጽላሎት ምሸት ከኣ ነዊሑ እዩ እሞ፡ ወይለና

5. እምበኣርሲ ተንስኡብለይቲ ንገስግስ እሞ ነዳራሻታ ነፍርሶ

6. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣእዋም ቊረጹንየሩሳሌም ከኣ ብቐጽሪ ኽበብዋ። ብዂሉ ወገና ዓመጽን ጐመጽን ኣለዋ እሞ፡ እትቕጻዕ ከተማ እያ።

7. ዔላ ማዩ ኸም ዜፈልፍል፡ ከምኡ ኸኣ ክፍኣታ ተፈልፍል አላ። ኣብኣ ዓመጽን ምብራስን ይስማዕ አሎ፡ ስቓይን ቊስልን ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ እዩ።

8. ኣቲ የሩሳሌምነፍሰይ ካባኺ ኸይትፍለ እሞ ሰብ ዘይነብረላ ምድረ በዳ ኸይገብረክስተቐጽዒ

9. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ከምቲ ንተኽሊ ወይኒ ዚቕርምዎ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል ኪቕርምዎ እዮም። ከምቲ ኣራይ ዘቢብ ኣብ ሓረግ ዚገብሮ፡ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።

10. እንሆ፡ እዝኖም ዘይተገዝረ እዩ፡ ኪሰምዑ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሄር ነውሪ ዀይንዎም እዩ እሞ ባህ ኣየብሎምን። እምበኣርከ ምእንቲ ኺሰምዑስ፡ ንመን ደኣ ኽዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ መንሲ ኽምስክር እየ፧

11. ስለዚ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር መሊኤ አሎኹ፡ ትም ክብል ድማ ኣይከኣለንንሰብኣይን ሰበይትንኣረጊትን ዕድሚኡ ዘእከለን ኪተሐዙስ፡ ኣብቶም ቈልዑ ኣብ መገድን ኣብቶም መንእሰይ ኣብ ባይቶን ኣሕቢርካ ኽዐወሎም

12. ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፡ ኣባይቶምን ግራህኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ኣብ ካልኦት ኪሐልፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

13. ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ስለ ዘለዉ እዩ።

14. ሰላም ዜልቦስሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው።

15. ጽያፍ ስለ ዝገበሩስ ኪሐፍሩዶ እዮም፧ ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ምስ ኣራኻኸብኩሎም ከኣ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

16. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና፡ ኣይንመላለሰሉን ኢና፡ ኢሎም መለሱ።

17. ኣብ ደሃይ መለኸት ኣድህቡ፡ ዚብሉኹም ሐለውቲ ሸይመልኩም ነይረ። ንሳቶም ግና፡ ኣይነድህብን ኢና፡ በሉ

18. ስለዚ ኣቱም ኣህዛብስምዑ፡ ኣቱም ማሕበር፡ እቲ ዚመጾም ዘሎ ፍለጡ

19. ኣቲ ምድሪስምዒ፡ ኣብ ቃላተይ ኣየድሀቡንንሕገይ ከኣ ደርብዮምዎ እዮም እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ መዓት ከምጽእ እየ፡ ንሱ ኸኣ ፍረ ሓሳቦም እዩ።

20. እቲ ዕጣን፡ ካብ ሳባምኡዝ ቃንጫ ኸኣ ካብ ርሑቕ ሃገር ዚመጽእ እንታይ ግዱ አሎኒ፧ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ባህ ኣየብለንንመስዋእቲ ሕሩድኩምውን ኣየብህገንን እዩ።

21. ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ እምኒ መዓንቀፊ ኤንብር አሎኹ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣቦታትን ውሉድን ኪዕንቀፉጐረቤትን ዓርኩን ሐቢሮም ኪጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

22. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይነቅል አሎ።

23. ቀስትን ኲናትን ይሕዙጨካናትምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ። ኣቲ ጓል ጽዮንኣፍርስ ሰሪሮም ይስለፉ፡ ከም ጅግና ኸኣ ኪዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለው።

24. ወሪኦም ሰማዕናኣእዳውና ድማ ዘርጋሕጋሕጋሕ በለ። ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዚሕዛ፡ ጸበባ ሐዘና

25. ሰይፊ ጸላኢ ኣብኡ፡ ፍርሃት ከኣ ኣብ ኲሉ ወገን አሎ እሞ፡ ኣብ ግዳም ኣይትውጽኡ፡ ኣብ መገድታት ኣይትኺዱ

26. ኣቲ ጓል ህዝበይመጥፍኢ ብድንገት ኪመጸና እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኒ፡ ኣብ ሓመዂስቲ ኣንፈፍዊ፡ ከም ንሓደ ዝወዳ ጌርኪ ሕዘኒመሪር ብኽያት ብኸዪ።

27. መገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምርን፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ግምብን እምባን ገይረ ኣቘምኩኻ

28. ኲላቶም ዓለውትን ከድዓትን እዮም፡ ሕሜት እናዘርኡ ይኸዱነሃስን ሓጺንን እዮም፡ ኲላቶም ብልሽዋት እዮም።

29. መናፍሕ ፉፍ ይብል፡ እቲ ዓረር ብሓዊ ፈሊሑ ይውዳእ። እቲ ኽፋእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ፡ ድሌት እቲ ምዂላዕ ከንቱ ዀይኑ ተረፈ።

30. እግዚኣብሄር ወጊድዎም እዩ እሞ፡ ውጉድ ብሩር ይበሀሉ