1. ብዛዕባ ሞኣብእግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኔቦ ዖንያ እያ እሞ፡ ወይልኣቂርያታይም ነወረት ተታሕዘትውን፡ እቲ እምባ ነወረን ፈረሰን

2. ድሕርዚ ሓበን ሞኣብ የሎን። ህዝቢ ኸይትኸውንሲ ንዑናይ ነጥፍኣያ። ኢሎም ኣብ ሄስቦን እኩይ ነገር ይፍሕሱላ አለዉ። ኣቲ መድሜን፡ ንስኺ ድማ ክትጠፍኢ ኢኺ፡ ሰይፊ ኺስዕበኪ እዩ

3. ዋይዋይን ጥፍኣትን ብርቱዕ ምዕናውን ካብ ሆሮናይም ይስማዕ አሎ።

4. ሞኣብ ተደቚሰትደቃ ዋይወዮም ኣስምዑ

5. ኣብ ቊልቁል ሆሮናይም ብናይ ምፍራስ ዜሸግር ጭንቂ ቚዝማ ይስማዕ አሎ እሞ፡ ኣብ ዓቐብ ሉሂት ብኽያት እናበኸዩ ይድይቡ አለዉ።

6. ህደሙነፍስኹም ኣድሕኑ፡ ከም ገረብ ሑመር ኣብ በረኻ ኹኑ

7. ብግብርኽን ብሃብትኽን ተኣሚንኪ ኢኺ እሞ፡ ስለዚ ንስኺ ድማ ክትተሐዚ ኢኺ፡ ኬሞሽን ካህናቱን መሳፍንቱን ከኣ ሐቢሮም ኪማረኹ እዮም

8. ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይከተምልጥን እያ፡ እቲ መጥፍኢ ንዂለን ከተማታት ኪመጸን እዩ፡ እቲ ለሰ ኺጠፍእእቲ ጐልጐል ከኣ ኪበርስ እዩ።

9. ሞኣብ ነፊራ ኽትሀድምሲኣኽናፍ ሀብዋከተማታታ ኸኣ ዚነብረን ዜብለን ኰይነን ኪባድማ እየን።

10. እቲ ንዕዮ እግዚኣብሄር ዕሽሽ ኢሉ ዚገብሮ ርጉም ይኹንንሰይፊ ድማ ደም ከይዂዑ ዚገትእ ርጉም ይኹን።

11. ሞኣብ ካብ ንእሽቶኣ ጀሚራ ህድእቲ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ሓተልኣውን ዐረፈትካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸኣ ኣይተቐጥፈትንተማሪኻ ድማ ኣይከደትን፡ ስለዚ ጣዕማ ኣርነበትመኣዛኣውን ኣይተለወጠን

12-13. ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ዚቐድሕዋ ቐዳሕቲ ዝሰደላ ጊዜ ትመጽእ አላ፡ ሰራሙኣ ኼዕርቑኣጋንኣ ድማ ኪሰባብሩ እዮም፡ ከምቲ ቤት እስራኤል በታ እተወከለታ ቤት-ኤል ዝሐፈረቶሞኣብ ድማ ከምኡ ብኬሞሽ ክትሐፍር እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር

14. ንስኻትኩም፡ ኣብ ውግእ ጀጋኑን ሃጥራትን ኢና፡ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡

15. እቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስሞኣብ ፈረስትናብ ከተማታታ ወጹ፡ እቶም ሕሩያት ኣጒባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱይብል አሎ።

16. መዓት ሞኣብ ኪመጽእ ቀሪቡ እዩ፡ ጸበብኣ ድማ ቀልጢፉ የሳጒም አሎ።

17. ኲላትኩም ኣብ ከባቢኣ ዘሎኹምብኸዩሎኣ፡ ኲላትኩም፡ ስማ እትፈልጡ ኸኣ፡ እቲ ድልዱል በትርን እቲ ምልምል ዘንግንካ ኸመይ ኢሉ ተሰብረበሉ

18. ኣቲ ኣብ ዲቦን እትነብሪ ዘሎኺ ጐርዞእቲ መጥፍኢ ሞኣብ ናባኺ ደዪቡንዕርድታትኪ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ካብ ክብረትኪ ውረዲኣብ ኣጻምእ ተቐመጢ

19. ኣቲ ኣብ ኣሮኤር እትነብሪ ዘሎኺኣብ መገዲ ደው በሊ ጠምቲ ኸኣነቲ ዝሀደመን ነታ እተምልጥንእንታይ ወሪዱ እዩኢልኪ ድማ ሕተቲ

20. ሞኣብ ተሳዒራ እያ እሞ፡ ነወረትኣእውዩጨድሩ፡ ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ።

21. ፍርዲ ኣብቲ ሃገር ጐልጐልኣብ ሆሎንኣብ የህጻኣብ መፍዓት

22. ኣብ ዲቦንኣብ ኔቦ፡ ኣብ ቤት-ዲብላታይም

23. ኣብ ቂርያታይም፡ ኣብ ቤት-ጋሙልኣብ ቤት-ምዖን

24. ኣብ ቅርዮት፡ ኣብ ቦጽራኣብ ዝረሐቓን ዝቐረባን ኲላተን ከተማታት ሞኣብን መጸ።

25. ቀርኒ ሞኣብ ተሰልዔቅልጽሙ ተሰብረይብል እግዚኣብሄር

26. ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡ ኣስክርዎ። ኣብ ትፉኡ ጠንቀላዕላዕ ይበል፡ መላገጺውን ይኹን

27. እስራኤልዶ መላገጺ ዀይኑልካ ኣይነበረን እዩ፧ ብዛዕባኡ ኽትዛረብ ከሎኻ፡ ርእስኻ እትንቕንቕሲ ኣብ ማእከል ሰረቕቲ ደዀን ተረኺቡ እዩ፧

28. ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፡ ካብተን ከተማታት ልቐቑኣብ ኣኻውሕ ከኣ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ገምገም ጸድሪ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ።

29. ምክሔ ሞኣብን ብርቱዕ ትዕቢቱን ፍኽናኔኡን ኲርዓቱን ድፍረቱን ኲዕናኔ ልቡን ሰማዕና

30. ኣነ ንዂራኡን ነቲ ኸንቱ ዝዀነ ትምክሕቱን እፈልጥ አሎኹ፡ ግብሩውን ከንቱ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

31. ስለዚ ንሞኣብ ኤልቅሰሉ፡ ኣብ ኲሉ ሞኣብ ከኣ እቚዝም አሎኹ። ንሰብ ቂር-ሄሬስ እህህ ይብሉሎም አለዉ።

32. ኣቲ ተኽሊ ወይኒ ሲብማ፡ ካብቲ ብኽያት ያዕዜር ዚበዝሕ ገይረ እበኽየልኪ አሎኹ። ሓረግኪ ኽንየው ባሕሪ ተሳገረክሳዕ ባሕሪ ያዕዜርውን በጽሔእቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ኣብ ቀውዒ ዘቢብክን ወረደ

33. ካብቲ ፈራዪ ግርሁን ካብ ሃገር ሞኣብን ፍስሃን ደስታን ጠፍኤ። ነቲ ወይኒ ኣብ መሓምተሊኡ ኣወዳእክዎ። ድሕርዚ ዘቢብ ብእልልታ ኣይሕምተልን፡ እቲ እልልታ ድማ እልልታ ኣይኰነን

34. ማያት ነምሪም ከኣ ምድሪ ኣጻምእ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣውያት ሔስቦን ክሳዕ ኤልዓለ፡ ክሳዕ የህጻ፡ ካብ ጾኣር ክሳዕ ሆሮናይም፡ ክሳዕ ኤግላት-ሸሊሻ ኺስማዕ እዩ።

35. ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ ሞኣብ ኣብ በረኽቲ ዚድይብን ንኣማልኽቱ ዚዐጥንን ከጥፍኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

36. እቲ ዝደለብዎ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ንሞኣብ ከም እምብልታ ይቚዝምንሰብ ቂር-ሄሬስ ከኣ ልበይ ከም እምብልታ ገይሩ ይቚዝመሎም አሎ።

37. ስለዚ ርእሲ ዘበለ ተላጽዩ፡ ኲሉ ጭሕሚ ተቘሪጹኲላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፡ ኣብ ሓቛቚ ድማ ከሊ አሎ።

38. ንሞኣብ፡ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፡ ሰባቢረያ እየ እሞ፡ ኣብ ኲሉ ኣናሕስ ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታታን ቊዝማ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር

39. ኣየ፡ ከመይ ኢላ ተሳዕረት፡ ኢሎም የልቅሱ አለዉ። ከመይ ኢላ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት። ሞኣብ ንዂሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ ንመላገጽን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።

40. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ከም ንስሪ ይነፍርኣኽናፉ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ይዝርግሕ አሎ።

41. ቂርያት ተታሕዘትዕርድታት ድማ ተወስደበታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሐዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።

42. ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዐብያትሉ እያ እሞ፡ ድሕርዚ ህዝቢ ኸይትኸውንሲ ኽትጠፍእ እያ

43. ኣታ ኣብ ሞኣብ እትነብር ዘሎኻፍርሃትን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር

44. ኣነ ዓመት ቅጽዓቶም ኣብ ርእሲኣ፡ ኣብ ርእሲ ሞኣብ ከውርድ እየ እሞ፡ ካብ ፍርሃት ዚሀድም ናብ ጒድጓድ ኪወድቕካብ ጒድጓድ ዚወጽእ ከኣ ኣብ መፈንጠራ ኺተሐዝ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

45. እቶም ሃደምቲ ደኺሞምኣብ ጽላል ሔስቦን ደው ኢሎም አለዉ። ካብ ሔስቦን ሓዊካብ ማእከል ሲሆን ከኣ ሃልሃልታ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ነቲ ጐቦታት ሞኣብን ነቲ ርእሲ ደቂ ታዕታዕን በሊዕዎ እዩ።

46. ኣቲ ሞኣብኣወዳትኪ ተማሪኾምኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ፡ ወይለኺህዝቢ ኬማሽ ጠፊኡ እዩ።

47. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሳ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርክሳዕ እዚ እዩ እቲ ፍርዲ ሞኣብ።