1. ኤርምያስ ኣብ ማእከል እቶም ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ዚኸዱ ዂሎም ምሩኻት ብሰንሰለት ተኣሲሩ ኸሎ፡ ናብዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ምስ ኣምጽኦ ኻብ ራማ ፈቲሑውን ምስ ፈነዎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ።

2. እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንኤርምያስ ኣምጺኡ በሎእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዚ መዓት እዚ ነዛ ቦታ እዚኣ ተናጊሩላ ነበረ።

3. እግዚኣብሄር ድማ ኣምጽኦ፡ ከምቲ እተናገሮ ኸኣ ገበረንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምዎድምጹውን ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ስለዚ እዚ ነገር እዚ በጽሓኩም።

4. ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ሎሚ ኻብቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት እፈትሓካ አሎኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ፍታውካ እንተ ዀነ፡ ንዓናይ፡ ኣነውን ብጽቡቕ ዓይኒ ኽርእየካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ባህ እንተ ዘይበለካ ግና፡ ተቐመጥ፡ እንሆ፡ ኲሉ እዚ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እዩ፡ ናብቲ ኽትከዶ ጽቡቕን ቅኑዕን ኰይኑ እተራእህየካ ናብኡ ኺድ

5. ንምምላስ ምስ ደንጐየ፡ ደጊሙ፡ ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋንተመለሰ፡ ምስኡውን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተቐመጥ፡ ወይስ ኣብቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእየካ ኺድ፡ በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ስንቅን ህያብን ሂቡ ኣሰናበቶ

6. ሽዑ ኤርምያስ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ኣብ ሚጽጳ ኸደ እሞ፡ ምስኡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ

7. ኲሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ ሓላቑ ሰራዊት፡ ንሳቶምን ሰቦምን፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ነቶም ናብ ባቢሎን ከይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን ከም ዘማዕቈቦ ምስ ሰምዑ

8. እስማኤል ወዲ ነታንያዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬሃሰራያ ወዳ ተንሁሜት ደቂ ኤፋይ እቲ ነጦፋታይይዘንያ ወዲ ማእካታዊ፡ ንሳቶምን ሰቦምን ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ መጹ።

9. ገዳልያወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ንኣታቶምን ንሰቦምን ከምዚ ኢሉ መሐለሎምንከለዳውያን ከይፈራህኩም ተገዝእዎምንንግሱ ባቢሎን ተገዝኡ፡ ኣብዛ ሃገር ከኣ ተቐመጡ እሞ ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም።

10. እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዚመጹ ከለዳውያን ክቐውምሲ ኣብ ሚጽጳ ክቕመጥ እየ፡ ንስኻትኩም ግና ወይንን ፍረን ዘይትን ኣክቡ፡ ኣብ ኣቓሑኹም ከኣ ኣንብሩ እሞ ኣብተን ዝሐዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ

11. ኲሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእከል ደቂ ዓሞንን ኣብ ኤዶምን ኣብ ኲሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሐደገንገዳልያወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ድማ ከም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ

12. ሽዑ ዂሎም ኣይሁድ ከካብቲ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዂሉ ቦታ ተመልሱ እሞ ናብ ሃገር ይሁዳ ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ኣተዉኣዝዩ ብዙሕ ወይንን ፍረን ድማ ኣከቡ

13. ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም እቶም ኣብ ሃገር ሰብ ዝነበሩ ሓላቑ ሰራዊትን ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ መጹ እሞ፡

14. ብዓሊስ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኪቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶዶ ትፈልጥ አሎኻ፧ በልዎገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ግና ኣይኣመኖምን

15. ዮሃናን ወዲ ቃሬሃ ንገዳልያ ኣብ ሚጽጳ፡ እቶም ኣባኻ እተኣከቡ ኣይሁድ ፋሕ ኪብሉ፡ እቶም ተፈፍ ይሁዳ ድማ ኪጠፍኡስ፡ ስለምንታይ እስማኤል ወዲ ነታንያ ንኣኻ ዚቐትለካሓደ እኳ ኸይፈለጠ ኸይደ ክቐትሎ ዀታ ሕደገኒ፡ ኢሉ ብሕቡእ ተዛረቦ

16. ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬሃ፡ ንስኻ ንእስማኤል ትሕስወሉ ኢኻ ዘሎኻ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኣይትውዐሎበሎ