1. ኣብ ታስዓይ ዓመቱን ኣብ ዓስራይ ወርሑን ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኲሎም ሰራዊቱን መጺኦም ንየሩሳሌም ከበብዋ

2. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ኦኣመቱ ንጼድቅያስ፡ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፡ ነቲ ወርሒ ድማ ኣብ ታስዓይ መዓልቱ፡ እታ ኸተማ ጋህ ኢላ ተኸፍተት

3. ሽዑ ዂሎም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብኣ ኣተዉኔርጋል-ሸሬጽርስምጋር-ኔቡሳርስኪም እቲ ሓለቓ ስሉባት፡ ኔርጋል-ሸሬጽር ሓለቓ ፈላጦ፡ ምስ ኲሎም እቶም ካልኦት መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብታ ማእከለይቲ ደገ ተቐመጡ

4. ኰነ ኸኣ፡ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን እቶም ተዋጋእቲ ሰባትን ምስ ረአይዎምብለይቲ ኻብታ ኸተማ በቲ መገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፡ በታ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቐጽሪ ዘላ ደገ ወጽኦም ሀደሙ። ንሱውን መገዲ ጐልጐል ሕቕዙ ወጸ

5. ሰራዊት ከለዳውያን ግና እናጐየዩ ሰዐብዎምንጼድቅያስ ከኣ ኣብ መሮር ያሪኮ ኣርከብዎሒዞም ድማ ናብ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ኣምጽእዎ። ንሱውን ፍርዱ ተዛረበ

6. ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ጼድቅያስ ኣብ ሪብላ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሐረዶም፡ ንዂሎም እቶም ከበርቱ ይሁዳ ኸኣ ንጉስ ባቢሎን ሐረዶም።

7. ንጼድቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፡ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ ድማ፡ ብድርብ መቚሕ ነሓሲ ኣሰሮ

8. እቶም ከለዳውያን ከኣ ንቤት ንጉስን ነባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣንደድወንቀጽርታት የሩሳሌም ድማ ኣፍረሱ

9. ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ህዝብን ነቶም ቅድም ኣብኡ ዝኣተዉን ነቲ ተረፍ ህዝብን ማረኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።

10. ነቶም ሓንቲ እኳ ዜብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣብ ሃገር ይሁዳ ይቀመጡ ሐደጎም፡ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ግርሁን ከኣ ሀቦም

11-12. ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ድማ ንናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ብዛዕባ ኤርምያስውሰዶ እሞ ብጽቡቕ ዓይኒ ርኣዮ፡ ከምቲ ዚብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፡ ገለ ኽፉእ ኣይትግበሮኢሉ ኣዘዞ

13. ሽዑ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ናቡሻዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኔርጋል-ሸሬጽር ሓለቓ ፈላጦን ኲሎም መኳንንቲ ንጉስ ባቢሎንን ለአኹ

14. ልኢኾም ንኤርምያስ ካብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎንገዳልያ
ወዲ
ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ናብ ቤቱ ኺወስዶ ሀብዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተቐመጠ

15. ኤርምያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ኸሎ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጸ፡

16. ኬድካ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ ኢልካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ንገሮ፡ እንሆ፡ ነተን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እተዛረብክወን ቃላት ንመዓታ እምበር፡ ንደሓና ዘይኰነ ኸውርደላ እየ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺፍጸማ እየን።

17. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናፍግፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እተፈርሆም ዘሎኻ ሰባት ኣይክትውሀብን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር

18. ኣባይ ስለ እተወከልካ፡ ኣነ ብርግጽ ከድሕነካ እየ እሞ፡ ነፍስኻ ዘመተ ኽትኰነልካ እያ እምበር፡ ብሰይፊ ኣይክትወድቕን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር