1. ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዝነበሩ፡ ኣብ ሚግዶል፡ ኣብ ታህጳኔስኣብ ኖፍ፡ ኣብ ሃገር ጳጥሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ፡

2-3. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልከምዚ ይብል አሎ፡ ብሰሪ እቲ፡ - ንሳቶም ኰነ፡ ንስኻትኩም ኰነ፡ ኣቦታትኩም ኰነ፡ - ንዘይፈለጥዎም ካልኦት ኣምልኽቲ ኼገልግሉን ዕጣን ኪዐጥኑን እናኸዱ ኼቑጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዂሉ ኽፍኣቶም፡ ኲሉ እቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳን ዘውረድክዎ ዂሉ መዓት ርኢኹምዎ አሎኹም። እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ባዲመንሓደ እኳ ዚነብረለን የልቦን

4. ኣነስ ንዂላቶም ባሮተይ ነብያት ለኣኽኩልኩምእዚ ዝጸልኦ ዘሎኹ ርኹስ ነገር ኰታ ኣይትግበሩኢለ ኣንጊሄ ለኣኽኩ

5. ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣምላኽቲ ምዕጣን ኪሐድጉካብ ክፍኣቶም ድማ ኪምለሱ ኣይተኣዘዙን፡ ኣእዛኖም ከኣ ጽን ኣየበሉን

6. ስለዚ ድማ ቊጥዓይን ኲራይን ተኻዕወ፡ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ነደደ። ንሳተን ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይነናኦ ዘለዋ፡ ዑናን ምድረ በዳን ኰና።

7-8. ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄርኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመጻእኩምዋ ሃገር ግብጺ ንኻልኦት ኣምልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም ብግብሪ ኢድኩም እናኣዀሬኹምኒሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ዕሸልን ሓደ እኳ ኸይተረፈ ኻብ ማእከል ይሁዳ ኽትጸንቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መጻረፍን ኴንኩም ክትጸንቱስ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ነፍስኹም ክንድዚ ዓብዪ እከይ እትገብሩ ዘሎኹም፧

9. ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝገበርዎ ኽፍኣት ኣቦታትኩምን ነቲ ኽፍኣት ነገስታት ይሁዳን ነቲ ኽፍኣት ኣንስቶምን ነቲ ኽፍኣትኩምን ነቲ ኽፍኣት ኣንስትኹምንዶ ረሲዕኩምዎ ኢኹም፧

10. ክሳዕ ሎሚ ኣይተደቚሱንኣይፈርሁን፡ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይተመላለሱን

11. ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ንመዓትን ንዂሉ ይሁዳ ኸጽንትን ገጸይ ናባኻትኩም ክመልሶ እየ።

12. ነቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ኪቕመጡ ኢሎም ናብኣ ኺግዕዙ ገጾም ዝመለሱ ተረፍ ይሁዳ ኽወስዶም እየ እሞ ኲሎም ኪዂመሙ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺወድቁካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪዂመሙ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪሞቱ እዮም። ንመሰክሕን ንመስደመምን ንመጻረፍን ከኣ ኪዀኑ እዮም።

13. ከምቲ ንየሩሳሌም ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ዝቐጻዕክዋ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጦም ዘለዉ ክቐጽዖም እየ።

14. ብጀካ ገለ ህዱማት ኣይኪምለሱን እዮም እሞ፡ ካብቶም ናብ ሃገር ይሁዳ ኺነብሩ ኢሎም ናብኣ ኺምለሱ እናናፈቑ፡ ናብ ሃገር ግብጺ ኣብኣ ኪቕመጡ ኢሎም ዚመጹ ተረፍ ይሁዳ ሓደ እካ ዜምልጥ ወይስ ዚተርፍ የልቦን።

15. ሽዑ ዂሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዚዐጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን ኲለን እተን ኣብኣ ቘይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ጳጥሮስ ዚቕመጥ ህዝብን ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ

16. እቲ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዓካን ኢና።

17. ግናኸ ከምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን መሳፍንትናን ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝገበርናዮ እሞ ሽዑ እንጌራ ንጸግብደሓን ንነብርመዓትውን ኣይንርእን ዝነበርና፡ ንሕና ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ክንዐጥን መስዋእቲ መስተ ድማ ንእኣ ኸነቕርብ ኢልና ዂሉ እቲ ኻብ ኣፍና ዝወጸ ቓል ብርግጽ ክንገብሮ ኢና።

18. ግናኸ ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ ንእኣ ምኽዓውን ምስ ሐደግና፡ ኲሉ ነገር ጨነቐናብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና

19. ንንግስቲ ሰማይ እናዐጠንናን መስዋእቲ መስተ እናኸዖናላን፡ ነቲ ብምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጌራን ነቲ ዘቕረብናላ መስዋእቲ መስተን ብዘይ ፍቓድ ሰብኡትናዶ ኢና ዝገበርናዮ፧

20. ሽዑ ኤርምያስ ንዂሉ ህዝቢ፡ ነቶም ሰብኡትን ነተን ኣንስትን፡ ንዂሉ እቲ ምላሽ ዝሀቦ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

21. ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን መሳፍንትኹምን ህዝቢ እታ ሃገርን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝዐጠንኩምዎ ዕጣንዶ ኣይኰነን እግዚኣብሄር ዘኪርዎ ኣብ ልቡ ኸኣ ትዝ ኢልዎ ዘሎ፧

22. እግዚኣብሄር ከኣ ብሰሪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰሪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ካብዚ ንንየው ኪዕገስ ኣይከኣለን። ስለዚ ሃገርኩም ከምዚ ሎሚ ዀይናቶ ዘላ ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ ምድረ በዳን መሰክሕን መራገመን ኰነት።

23. ዕጣን ስለ ዝዐጠንኩምን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን ንድምጺ እግዚእብሄር ስለ ዘይሰማዕኩም ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፡ ስለዚ እዩ ኸምዚ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ፡ እዚ መዓት እዚ ዝወረደኩም

24. ኤርምያስ ድማ ንዂሉ እቲ ህዝብን ንዂለን እተን ኣንስትን፡ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘሎኹም ኲላትኩም ይሁዳቃል እግዚኣብሄር ስምዑበሎም

25. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልከምዚ ይብል አሎ፡ ንስኻትኩምን ኣንስትኹምንንንግስቲ ሰማይ ክንዐጥንመስዋእቲ መስተ ኽንክዕወላእተመባጻዕናዮ መብጽዓና ብርግጽ ክንፍጽሞ ኢና፡ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛሪብኩምዎበእዳውኩም ከኣ ፈጺምኩምዎ ኢኹም። ሕራይ፡ መብጽዓኹም ፈጽሙ፡ መብጽዓኹም ከኣ መልኡ

26. ስለዚ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኲልኹም ሰብ ይሁዳቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲላ ሃገር ግብጺ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩኢሉ ብኣፍ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕርዚ ኸይስመበታ ዓባይ ስመይ እምሕል አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

27. እንሆ፡ ኣነ ንሕሰም እምበርንደሓን ዘይኰነ ኽተግሃሎም እየ እሞ፡ ኲላቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘለዉ ሰብ ይሁዳ ብሰይፍን ብጥሜትን ጥራስ ክሳኦ ዚውድኡ ኺጠፍኡ እዮም

28. እቶም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ኻብ ሃገር ግብጺ ናብ ሃገር ይሁዳ ሒደት ኰይኖም እዮም ዚምለሱ። ኲሎም እቶም ኣብኣ ኪቕመጡ ናብ ሃገር ግብጺ ዝመጹ ተረፍ ይሁዳ፡ ናተይ ወይስ ናቶም፡ ኣየናይ ቃል ክውን ከም ዝዀነ ኪፈልጡ እዮም።

29. ቃላተይ ብዛዕባኹም ርግጽ ንሕሰምኩም ከም ዚቐውም ክትፈልጡስኣብዛ ቦታ እዚኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ እዚ ኸኣ ምልክት ኪዀነኩም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

30. እንሆ፡ ከምቲ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ጸላኢኡን ነፍሱ ዚደሊ ዝነበረን ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሀብክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንፈርኦን ሆፍራ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኢድ ጸላእቱን ኣብ ኢድ እቶም ነፍሱ ዚደልዩን ክህቦ እየይብል እግዚኣብሄር